ምዕራፍ 1 2 3 4 5 6 7 8 9 10 11 12 13 14 15 16 17 18 19 20 21 22 23 24 25 26 27 28 29 30 31
1- ጥበብ ቤታ ሀነጸት፡ ሾብዓተ ኣዕኑዳ ጸረበት።
2- ሰባብሕታ ሐረደት፡ ወይና ዘለለት፡ መአዳውን ኣሰናደወት
3- ኣግራዳ ለኣኸት፡ ኣብቲ ኣዝዩ ዝበረኸ ስፍራ ኸተማ ዀይና ትጽውዕ ኣላ፡
4- ዘይለበመ እንተሎ፡ ናብዚ ይምጻእ። ነቶም ኣእምሮ ዜብሎምውን ከምዚ ትብሎም ኣላ፡
5- ንዑ፡ እንጌራ ብልዑ፡ ዝዘለልክዎ ወይነይ ስተዩ።
6- ብህይወት ክትነቡሩስ ዕሽነት ሕደጉ፡ ብመገዲ ምስትውዓል ከኣ ተመላለሱ።
7- ንመላገጺ ዚምዕድ ንርእሱ ጸርፊ ይቕበል፡ ንረሲእ ዚግስጽ ከኣ ነውሪ ይመጾ።
8- ምእንቲ ኸይጸልኣካስ፡ ንመላገጺ ኣይትገስጾ፡ ንጠቢብ ገስጾ እሞ ኬፍቅረካ እዩ።
9- ንጠቢብ ትምህርቲ ሀቦ እሞ ወሲኹ ኺጠብብ፡ ንጻድቕ ምሀሮ እሞ ፍልጠት ኪውስኽ እዩ።
10- መጀመርያ ጥበብ ንእግዚኣብሄር ምፍራእ እዩ፡ ነቲ ቅዱስ ምፍላጥ ከኣ ምስትውዓል እዩ።
11- ዕለታትካ ብኣይ እየን ዚበዝሓ፡ ዓመታት ዕድሜኻውን ኪውስኻልካ እየን እሞ፡
12- ጥበበኛ እንተ ዀንካ፡ ንርእስኻ ትጠብብ፡ መላገጺ እንተ ዀንካ፡ በይንኻ ኢኻ እትስከሞ።
13- ዓሻ ሰበይቲ ህውከተኛ እያ። ዘይለባም፡ ገለ እኳ ዘይትፈልጥ እያ።
14-16- ነቶም ኣቕኒዖም ዚኸዱ ሓለፍቲ መገዲ፡ ዘይለባም እንተሎ ናብዚ የግልስ፡ ኢላ ኽትጽውዖምሲ፡ ኣብ ደገ ቤታን ኣብ በረኽ ስፍራ ኸተማን ኣብ መንበር ትቕመጥ። ነቲ ኣእምሮ ዜብሉ ኸኣ፡
17- ናይ ስርቂ ማይ ጥዑም እዩ፡ ብሕቡእ ዚብላዕ እንጌራ ኸኣ ባህ የብል እዩ፡ ትብሎ።
18- ንሱ ግና ምውታት ኣብኡ ኸም ዘለው ዕዱማታውን ኣብ መዓሙቚ ሲኦል ከም ዘለው ኣይፈልጥን እዩ።