ምዕራፍ 1 2 3 4 5 6 7 8 9 10 11 12 13 14 15 16 17 18 19 20 21
1-መልኣኽ እግዚኣብሄር ድማ ካብ ጊልጋል ናብ ቦኪም ደየበ በለ ኸአ፡ ካብ ግብጺ ኣደየብኩኹም፡ ናብታ ነቦታትኩም ዝመሓልኩሎም ምድሪ ኸአ ኣእቶኹኹም። እቲ ምሳኻትኩም ዝአቶኽዎ ኺዳነይ ንዘለአለም ኣየፍርሶን እየ። 2- ንስኻትኩምውን ምስቶም ኣብዛ ሃገር እዚኣ ዚነብሩ ኺዳን ኣይእተው፡ መሰውኢታቶም ኣፍርሱ፡ ድማ በልኩ። ንቓለይ ግና ኣይሰማዕኩምዎን። ስለምንታይ ኢኹም እዚ ዝገበርኩ፡ 3- ስለዚ ድማ፡ ንጎድንኹም ኩርኳሕ ይኹነኹም፡ ኣማልኽቶምውን መፈንጠራ መጽሓፍ ይኹኑኹም ኣምበር፡ ካብ ቅድሜኹም ኣይሰጎምን እየ፡ በልኩ። 4- ኮነ ኸአ፡ እቲ መልኣኽ እግዚኣብሄር ንኹሎም ደቂ እስራኤል እዘን ቃላት እዚኤን ምስ ተዛረቦም፡ እቶም ህዝቢ ደሃዮም ዓው ኣቢሎም በኸዩ። 5- ነታ ቦታ ድማ ቦኪም ኢሎም ሰመይዋ፡ ኣብኣ ኸኣ ንእግዚኣብሄር ሰውኡሉ።
6- እያሱ ነቶም ህዝቢ ምስ ኣሰናበቶም ከአ ደቂ እስራኤል ነታ ምድሪ ኺወርሱ ነፍሲ ወከፍ ነናብ ርስቶም ከዱ። 7- እቶም ህዝቢ ድማ፡ ብኹሉ ዘበን እያሱን ብኹሉ ዘበን እቶም ብድሕሪ እያሱ ነዊሕ ዝጸንሑ እሞ እቲ እግዚኣብሄር ንእስራኤል ዝገብረሎም ዓብዩ ግብሪ ዝረአዩ ዓባይትን፡ ንእግዚኣብሄር ኣገልገልዎ። 8- እያሱ ወዲ ነዌ፡ ባርያ እግዚኣብሄር፡ ከአ ወዲ ሚእትን ዓሰርተ ዓመት ምስ ኮነ ሞተ። 9- ኣብታ ዶብ ርስቱ፡ ኣብ ሰሜን ከረን ጋዓሽ፡ ኣብ ቲምናት-ሔረስ፡ ኣብ ከረን ኤፍሬም ቀበርዎ። 10- እቲ ወለዶ እቲ ኹሉ ድማ ናብ ኣቦታቶም ተአከቡ ድሕሪኦም ከአ ንእግዚኣብሄር ነቲ ንሱ ንእስራኤል ዝገበሮ ግብሪ ዘይፈልጥ ካልእ ወለዶ ተንስኤ።
11- ደቂ እስራኤል ድማ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ገበሩ፡ ንበልዓልውን ኣገልግሉ። 12- ነቲ ኻብ ምድሪ ግብጺ ዘውጽኦም ኣምላኽ ኣቦታቶም ሓዲጎም፡ ካብ ኣማልኽቲ እቶም ኣብ ዙርያኦም ዝነብሩ ህዝብታት ደድሕሪ ኻልኦት ኣማልኽቲ ኸዱ፡ ንኣታቶምውን ሰገዱሎም እሞ ንእግዚኣብሄር ኣቖጥዕዎ። 13- ንእግዚኣብሄር ሓዲጎምስ ንበዓል ንኣስታርቴታትን ኣገልግሉ።
14- ሽዑ ኹራ እግዚኣብሄር ኣብ እስራኤል ነደደ፡ ኣብ ኢድ ዚማርኽዎም ማረኽቲ ድማ ኣሕሊፉ ሀቦም፡ ኣብ ኢድ እቶም ኣብ ዙርያ ዘለው ጸላእቶም ሸጦም እሞ፡ ደጊም ኣብ ቅድሚ ጸላእቶም ኪቖሙ ኣይከአሉን። 15- ከምቲ እግዚኣብሄር እተዛረቦምን ከምቲ እግዚኣብሄር ዝመሐለሎምን ናብ ኩሉ ዝኸድዎ፡ ኢድ እግዚኣብሄር ንሕሰም ኣብኦም ነበረት እሞ፡ ብዙሕ ጸበቦም። 16- ሽዑ እግዚኣብሄር ካብ ኢድ እቶም ማረኽቶም ዜድሕንዎም መሳፍንቲ ኣተንስኣሎም። 17- ንሳቶም ግና ደድሕሪ ኻልኦት ኣማልኽቲ መንዘሩን ሰገዱሎምን እምበር፡ ነቶም መሳፍንቶምሲ ኣይስምዕዎምን። ካብታ ኣቦታቶም ንትእዛዛት እግዚኣብሄር ብምእዛዝ ዝኸዱላ መገዲ ቐልጢፎም ኣግለሱ፡ ከማታቶሲ ኣይገብሩን።
18- ብዛዕባ እቶም ወቓዕቶምን ሳቐይቶምን ዘቖዘምዎም እግዚኣብሄር ተጣዕሰ እሞ፡ እግዚኣብሄር መሳፍንቲ ምስ እተንስኣሎም፡ ብኹሉ ዘበን እቲ መስፍን፡ እግዚኣብሄር ምስቲ መስፍን ኮይኑ ካብ ኢድ ጸላእቶም የድሕኖም ነበረ። 19- እቲ መስፍን ምስ ሞተ ግና፡ ተመሊሶም ደድሕሪ ኻልኦት ኣማልኽቲ ብምስዓቦምን ንኣታቶም ብምግልጋሎምን ብምስጋዶምን ካብ ኣቦታቶም ዝገደደ ተበላሸው። ካብ ግብሮምን ካብ ድርቅና መገዶምን ኣይተረፉን። 20- ኩራ እግዚኣብሄር ከአ ኣብ እስራኤል ነደደ፡ በለ ድማ፡ እዞም ህዝቢ እዚኦም እቲ ነቦታቶም ዝአዘዝክዎም ኪዳነይ ስለ ዘፍረሱ፡ ደሃየይ ከአ ስለ ዘይሰምዑ። 21-22- ኣነ ድማ ንእስራኤል፡ ከምቲ ኣቦታቶም ዝሐለውዎ፡ መገዲ እግዚኣብሄር ንምኻድ ዚሕልው እንተ ኾይኖም፡ ካብቶም እያሱ ኺመውት ከሎ ዝሐደጎ ህዝብታት ደጊምሲ ሓደ እኳ ኣይክሰጎጎን እየ። 23- እምበኣርሲ እግዚኣብሄር ነዞም ህዝብታትት እዚኦም ቀልጢፉ ኸይሰጎጎም ሐደጎም፡ ኣብ ኢድ እያሱ ኸአ ኣሕሊፉ ኣይሀቦምን።