ምዕራፍ 1 2 3 4 5 6 7 8 9 10 11 12 13 14 15 16 17 18 19 20 21
1- እቶም ሰብ እስራኤል ከአ ኣብ ሚጽጳ ካባና ሓደ እኳ ጓሉ ንብንያማዊ ኣየመርዐኣ ኢሎም ምሒሎም ነበሩ። 2- እቶም ህዝቢ ድማ ናብ ቤት-ኤል መጹ፡ ኣብኣ ኸአ ክሳዕ ምሸት ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ተቐመጡ፡ ድምጾም ዓው ኣቢሎም ድማ ብርቱዕ ብኽያት በኸዩ፡ 3- ኣታ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል፡ ሎሚ ካብ እስራኤል ሓደ ነገድ ኪጎድልሲ፡ እዚ ስለምንታይ እዩ ኣብ እስራኤል ዝኾነ፡ ድማ በሉ። 4- ኮነ ኸአ፡ እቶም ህዝቢ ንጽብሒቱ ኣንጊሆም ተንስኡ፡ ኣብኡ መሰውኢ ነዲቖም ድማ ዚሐርር መስዋእትን መስዋእቲ ምስጋናን ኣዕረጉ።
5- ደቂ እስራኤል ድማ፡ ናብ እግዚኣብሄር ናብ ሚጽጳ ዘይድይብ ሞት ይሙት፡ ኢሎም ጽኑዕ ማሕላ ምሒሎም ነበሩ እሞ፡ ካብ ኩሎም ነገድ እስራኤል ናብ ማሕበር፡ ናብ እግዚኣብሄር ዘይደየበ መን እዩ በሉ። 6- ደቂ እስራኤል ከአ ብሓዎም ብንያም ተጣዒሶም፡ ሎሚ ኻብ እስራኤል ሓደ ነገድ ተቖሪጹ። 7- ንሕና ኻብ ኣዋልድና ኣንስቲ ኸይንህቦም ብእግዚኣብሄር ምሒልና ኢና እሞ፡ እዞም ተሪፎም ዘለው ኣንስቲ ኽረኽቡስ፡ እንታይ ንገብረሎም፡ በሉ። 8- ካብ ነገዳት እስራኤል ናብ እግዚኣብሄር ናብ ሚጽጳ ዘይደየበ መን እዩ፡ በሉ። እንሆ ኸአ፡ ካብ ያቤሽ-ጊልዓድ ናብ ሰፈር፡ ናብታ ማሕበር ሓደ እኳ ኣይመጸን። 9- እቲ ህዝቢ ተቖጽረ እሞ እንሆ፡ ካብቶም ኣብ ያቤሽ-ጊልዓድ ዚነብሩ፡ ሕሰደ እኳ ኣብኡ ኣይነበረን።
10- ሽዑ እቲ ኣኼባ ዓሰርተው ክልተ ሽሕ ካብ ጀጋኑ ሰባት ናብኣ ሰዲዶም፡ ኬድኩም ነቶም ኣብ ያቤሽ-ጊልዓድ ዚነብሩ ምስናይ ኣንስትን ሕጻናትን ብስሕለት ሴፍ ቅተልዎም፡ 11- እትገብርዎ ነገር ከአ እዚ እዩ፡ ንኹሉ ተባዕታይን ኩለን ምስ ተባዕታይ ደቂሰን ንዚፈልጣ ኣንስትን ቅተሉ፡ ኢሎም ድማ ኣዘዝዎም። 12- ካብቶም ኣብ ያቤሽ-ጊልዓድ ዚነብሩ ኣርባዕተ ሚእቲ፡ ምስ ተባዕታይ ብምድቃስን ሰብኣይ ዘይፈልጣ ደናግል ኣዋልድ ረኸቡ። ንሳቶም ከአ ንኣታተን ናብ ሰፈር፡ ናብታ ኣብ ምድሪ ኸነኣን ዘላ ሺሎ ኣምጽእወን።
13- ኩሉ እቲ ኣኼባ ድማ ናብቶም ኣብ ከውሒ ሪሞን ዘለው ደቂ ብንያም ልኢኾም ናይ ሰላም ኣዋጅ ነገርዎም። 14- በታ ጊዜ እቲኣ ብንያም ተመልሰ። እተን ካብ ኣንስቲ ያቤሽ-ጊልዓድ ብህይወት ዝሐደግወን ኣንስቲ ኸአ ሀብዎም፡ ግናኸ ኣይአኸላኦምን።
15- እቶም ህዝቢ ድማ፡ እግዚኣብሄር ኣብ ነገዳት እስራኤል ነቓዕ ስለ ዝገበረ፡ ብብንያም ተጣዕሱ። 16- እቶም ዓበይቲ እቲ ኣኼባ ኸአ፡ ኣንስቲ ኻብ ብንያም ጸኒተን እየን እሞ፡ እዞም ተሪፎም ዘለው ኣንስቲ ኺረኽቡስ፡ እንታይ ንግበር በሉ። 17- ካብ እስራኤል ሓደ ነገድ ከይድምስስሲ፡ እዞም ካብ ብንያም ድሒኖም ዘለው፡ እቲ ርስቶም ይሐዙ። 18- ደቂ እስራኤል፡ እቲ ንብንያም ሰበይቲ ዚህብ ርጉምይኹን፡ ኢሎም ምሒሎም እዮም እሞ፡ ንሕናስ ካብ ኣዋልድና ኣንስቲ ኽንህቦም ኣይንኽእልን፡ ድማ በሉ። 19- ኣብታ ንቤት-ኤል ብሰሜና፡ ነታ ኻብ ቤት-ኤል ንሴኬም እተደይብ መገዲ ኸአ ብምብራቕ ንለቦናውን ዘላ ሺሎ፡ እንሆ በዓል እግዚኣብሄር ኣብ ዐዐመት ይግበር ኣሎ፡ ድማ በሉ። 20- ንደቂ ብንያም ከአ ኸምዚ ኢሎም ኣዘዝዎም፡ ኬድኩም ኣብ ኣታኽልቲ ወይንታት ተደበቑ። 21- እንሆ ኸአ፡ እተን ኣዋልድ ሺሎ እናሳዕስዓ ኺወጻ ምስ ራኤኹም፡ ካብታ ኣታኽልቲ ወይንታት ወጺእኩም፡ ካብተን ኣዋልድ ሺሎ ነፍሲ ወከፍኩም ሰበይቱ ይዘርፍ፡ ናብ ምድሪ ብንያም ከአ ኺዱ። 22- ኪኸውን ድማ እዩ፡ ኣቦታተን ወይ ኣሕዋተን ኣባና ኺጠርዑ እንተ መጹ፡ ኣብቲ ውግእ ንነፍሲ ወከፍ ሰበይቱ ኣይወሰድናሉን እሞ፡ ብለውሃት ንኣታተን ንስኻትኩም ኣይሀብኩምዎምን ንብሎም። 23- እቶም ደኢቅ ብንያም ኸይትኾኑ፡ ንኣታተን ንስኻትኩም ኣይሀብኩምዎምን፡ ንብሎም። 23- እቶም ደቂ ብንያም ከአ ከምኡ ገበሩ፡ ካብተን ዚስዕስዓ ዝነበራ ዘሪፎም፡ ከምቲ ቖጽሮም ኣንስቲ ወሰዱ። ከዱ እሞ ናብ ርስቶም ተመልሱ፡ ከተማታት ሰሪሖም ድማ ኣባታተን ተቐመጡ። 24- ደቂ እስራኤል ከአ በታ ጊዜ እቲኣ ኻብኡ ነፍሲ ወከፍ ናብ ነገዱን ናብ ዓሌቱን ከደ፡ ነፍሲ ወከፍ ከካብ ነናብ ርስቱ ወጸ።
25- በቲ ዘበን እቲ ኣብ እስራኤል ንጉስ ኣይነበረን እሞ፡ ነፍሲ ወከፍ እቲ ቕኑዕ ኮይኑ እተራኣዩ ይገብር ነበረ።