ምዕራፍ 1
1- ራእይ ኦብድያ።
እግዚኣብሄር ኣምላኽ ብዛዕባ ኤዶም ከምዚ ይብል አሎ፡ ተንስኡ፡ ምስኣ ኽንውጋእስ ንለዐል፡ ዚብል መልእኽቲ ኻብ እግዚኣብሄር ሰማዕና፡ ልኡኽ ድማ ኣብ ህዝባታት ኣንኣስኩኻ፡ ንስኻ ኣዚኻ እተነዐቕካ ኢኻ። 3- ኣታ ኣብ ምንቃዕ ኣኻውሕ እትነብር፡ መቐመጢኻ ልዕል ዝበለ፡ ብልብኻ ድማ፡ መን እዩ ናብ ምድሪ ዝወርደኒ፡ እትብል፡ ትዕቢት ልብኻ ኣስሐተካ። 4- ከም ንስሪ እኳ ልዕል እንተ በልካ፡ ቤትካውን ኣብ ማእከል ከዋኽብቲ እንተ ገበርካ፡ ካብኡ ኽውርደካ እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር። 5- ሰረቕቲ ወይስ ከተርቲ ብለይቲ እንተ ዚመጹኻ፡ -ክንደይ ኮን በረስካ፡ - ክሳዕ ዚእኽሎምዶ ኣይምሰረቐን፡ ብተኽቲ ወይኒ እንተ ዚመጹኻስ፡ ገለ ዘለላዶ ኣይምሐደጉልካን፡ 6- ኣየ፡ ኤሳው ክንደይ ተጎርጎረ፡ እቲ ሕቡእ መዝገብስ ክንደይ ተደልየ።
7- እቶም ቃል ኪዳን ዝአተውልካ ሰባት ኩሎም ክሳዕ ዶብ ሰደዱኻ፡ እቶም እትኣምኖም ሰባት ከአ ጠበሩኻ፡ ዐብለሉኻ ድማ፡ እቶም እንጌራኻ ዝበልዑውን፡ ኣእምሮ የብሉን፡ ኢሎም ኣብ ትሕቴኻ መፈንጠራ ዘርግሑልካ። 8- እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል አሎ፡ በታ መዓልቲ እቲኣ ኣነ ኻብ ኤዶም ጠቢባን፡ ካብ ከረን ኤሳው ከአ ምስትውዓልዶ ኣይክጥፍእን እየ፡ 9- ኣታ ቴማን፡ ሰብ ዘበለ ኻብ ከረን ኤሳው ብምቕታል ኪጥረስሲ፡ ጀጋኑኻ ተስፋ ኪቖርጹ እዮም።
10- ብምኽንያት እቲ ንሓውካ ያእቆብ ዝገበረካዮ ዓመጽ፡ ሕፍረት ክኽድነካ እዩ፡ ንዘለአለም ከአ ክትጸንት ኢኻ። 11- በታ ኣብ ቅድሚኡ ደው ኢልካ ዝነበርካላ መዓልቲ፡ በታ ጓኖት ንገንዘቡ ዝማረኹላ፡ መጻእተኛታት ድማ ብደጌታቱ ዝአተውላ፡ ንዮርሳሌም ከአ ዕጭ ዘውደቑላ መዓልቲ ንስኻውን ከም ሓደ ኻባታቶም ነበርካ። 12- እምበኣርሲ በታ መዓልቲ መከራኡ ንመዓልቲ ሓውካ ኣይትጠምት፡ በታ መዓልቲ ጥፍኣቶም ብደቂ ይሁዳ ኣይትተሐጎስ፡ በታ መዓልቲ ጸባባ ትዕቢት ኣይትዛረብ። 13- በታ መዓልቲ መዓቱ ብደገ ህዝበይ ኣይትእቶ፡ በታ መዓልቲ መዓቱ ንስኻውን መከራኡ ኣይትርኤ፡ በታ መዓልቲ መዓቱ ድማ ኢድካ ናብ ገንዘቡ ኣይትዘርግሕ። 14- ነቶም ዘምለጡ ኸተጥፍእ ኢልካ ኣብ ቃራና መገዲ ደው ኣይትበል፡ በታ መዓልቲ ጸበባ ኸአ ነቶም ዝተረፉ ናቱ ኣሕሊፍካ ኣይትሀቦም። 15- መዓልቲ እግዚኣብሄር ንኹላቶም ህዝብታት ቀሪባ እያ እሞ፡ ከምቲ ዝገበርካዮ ኺገብሩኻ እዮም፡ ግብርኻ ኣብ ርእስኻ ኺምለሰካ እዩ። 16- ከምቲ ንስኻትኩም ኣብቲ ቅዱስ ከረነይ ዝሰቴኹምዎ፡ ከምኡ ኹሎም ህዝብታት ከየባተኹ ኺሰትዩ፡ እወ ኪሰትዩ ኺጭልጡውን እዮም ከም ዝየነበሩ ኸአ ክኾኑ እዮም።
17- ኣብ ከረን ጽዮን ግና ዘምለጡ ኪሕልው እዮም፡ ንሰውን ቅዱስ ኪኸውን እዩ፡ ቤት ያእቆብ ከአ ርስቶም ኪርስትዩ እዮም። 18- ቤት ያእቆብ ሓዊ፡ ቤት ዮሴፍ ከአ ሃልሃልታ፡ ቤት ኤሳው ድማ ከም ሐሰር ኪኾኑ እዮም። ኣብኦም ኬንድዱን ኪውሕጥዎምን እዮም። እግዚኣብሄር ተዛሪቡ እዩ እሞ፡ ንቤት ኤሳው ሓደ እኳ ኣይኪተርፉን ኣዩ። 19- እቶም ኣብ ደቡብ ዘለው ንኸረን ኤሳው፡ እቶም ኣብ ጎልጎል ዘለው ኸአ ንፍልስጥኤማውያን ኪርስትዩ እዮም። ንሳቶም ንምድሪ ኤፍሬምን ንምድሪ ሰማርያን ኪርስትይወን እዮም፡ ብንያም ድማ ንጊልዓድ ኪርስተያ እዩ። 20- እቶም ተማሪኾም ዝነበሩ ሰራዊት ደቂ እስራኣኤል ነቲ ናይ ከነኣናዊያን ዝነበረ ኽሳዕ ሰራጳታ ኺርስትዩ፡ እቶም ካብ ዮርሳሌም ተማሪኾም ዝነበሩ ኣብ ሰፋራድ ዘለው ድማ ንኸተማታት ደቡብ ኪወርስወን እዮም። 21- መናገፍቲ ኸአ፡ ንኸረን ኤሳው ኪፈርዱስ፡ ናብ ከረን ጽዮን ኪድይቡ እዮም፡ መንግስቲውን ናይ እግዚኣብሄር ኪኸውን እዩ።