ምዕራፍ 1 2 3 4 5 6 7 8 9 10 11 12 13 14 15 16 17 18 19 20 21 22
1 - ከም ክሪስታል ዝምጽራዩ ርባ ማይ ህይወት ከኣ ኣርኣየኒ፡ እዚ ኻብቲ ናይ ኣምላኽን ናይቲ ገንሸልን ዝፋን እናወጸ፡ 2 - ብማእከል እቲ ኣደባባይ ይውሕዝ። ነቲ ርባ ብኽልተ ጎቦኡ ድማ ኣብ ወወርሒ እናፈረየት ዓሰርተው ክልተ ፍረ እትህብ ኦም ህይወት ኣላ። ቈጽሊ እታ ኦም እቲኣ ኸም ፈውሲ ህዝብታት ኰይኑ ኣሎ። 3 - ድሕሪ ደጊምሲ መርገም ከቶ ኣይኪኸውንን እዩ፡ ናይ ኣምላኽን ናይቲ ገንሸልን ዝፋን ኣብኣ ኪኸውን እዩ፡ እቶም ባሮቱውን ኬገልግልዎን 4 - ገጹ ኺርእዩን እዮም፡ ስሙውን ኣብ ገግምባሮም ኪኸውን እዩ። 5 - እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኬብርሃሎም፡ ንዘለኣለመ ኣለምውን ኪነግሱ እዮም እሞ፡ ድሕሪ ደጊምሲ ለይቲ ኣይኪኸውንን፡ ብርሃን ቀንዴልን ብርሃን ጸሓይንውን ኣይኬድልዮምን እዩ።
6 - ንሱ ኸኣ፡ እዚ ቓላት እዚ እሙንን ሓቅን እዩ፡ እግዚኣብሄር፡ እቲ ኣምላኽ መናፍስቲ ነብያት፡ እቲ ቐልጢፉ ኪኸውን ዚግባእ ነገር ንባሮቱ ኼርእዮም፡ መልኣኹ ሰዲዱ ኣሎ። 7 - እንሆ፡ ቀልጢፈ እመጽእ ኣሎኹ፡ እቲ ንቓላት ትንቢት እዚ መጽሓፍ እዚ ዚሕሉ ኸኣ ብጹእ እዩ፡ በለኒ።
8 - ነዚ ነገር እዚ ዝሰማዕክዎን ዝርኤኽዎን ኣነ ዮሃንስ እየ። ምስ ሰማዕኩን ምስ ርኤኹን ከኣ፡ ኣብ ቅድሚ ኣእጋር እቲ ነዚ ነገር እዚ ዘርኣየኒ መልኣኽ ክሰግድ ፍግም በልኩ። 9 - ንሱ ኸኣ፡ ከይትገብሮ ተጠንቀቕ። ኣነስ ከማኻን ከምቶም ኣሕዋትካ ነብያትን፡ ከምቶም ንቓላት እዚ መጽሓፍ እዚ ዚሕልዉን ባርያ እየ፡ ንኣምላኽ ደኣ ስገድ፡ በለኒ።
10 - ድማ፡ እቲ ጊዜ ቐረባ እዩ እሞ፡ ንቓል ትንቢት እዚ መጽሓፍ እዚ ኣይትሕተሞ። 11 - እቲ ገፋዒ ኣዝዩ ይግፋዕ፡ እቲ ርኹስ ኣዝዩ ይርከስ፡ እቲ ጻድቕ ኣዝዩ ጽድቂ ይግበር፡ እቲ ቅዱስውን ኣዝዩ ይቀደስ፡ በለኒ። 12 - እንሆ፡ ቀልጢፈ እመጽእ ኣሎኹ፡ ንነፍሲ ወከፍ ከከም ግብሩ ኽፈድዮ ኸኣ፡ ዓስበይ ምሳይ እዩ። 13 - ኣልፋን ኦሜጋን፡ ቀዳማይን ዳሕራይን፡ መጀመርታን መወዳእታን ኣነ እየ። 14 - ኣብታ ኦም ህይወት መሰል ምእንቲ ኺረኽቡ፡ ናብታ ኸተማውን ብደጌታታ ምእንቲ ኺኣትዉስ፡ እቶም ክዳውንቶም ዚሐጽቡ ብጹኣን እዮም። 15 - እቶም ኣኽላባትን ጠንቈልትን ኣመንዝራታትን ቀተልትን መምለኽቲ ጣኦታትን ንሓሶት ዚፈትውዎን ዚገብርዎን ዘበሉ ዂሎም ግና ኣብ ወጻኢ እዮም።
16 - ኣነ የሱስ፡ ኣብተን ማሕበራት እዚ ነገር እዚ ኺምስክረልኩም ኢለ፡ ንመልኣኸይ ሰዲደዮ ኣሎኹ። ኣነ ሱር ዳዊትን ዘርኡን፡ እቲ ብሩህ ኰዀብ ጽባሕ እየ።
17 - እቲ መንፈስን እታ መርዓትን፡ ንዓ፡ ይብሉ ኣለዉ። እቲ ዚሰምዕውን፡ ንዓ፡ ይብል። ዝጸምኤ ኸኣ ይምጻእ፡ ዝደለየውን ማይ ህይወት ብኸምኡ ይውሰድ።
18 - ኣነ ቓላት ትንቢት እዚ መጽሓፍ እዚ ንዚሰምዑ ዂሎም እምስክረሎም ኣሎኹ፡ ሓደ እኳ ናብዚ እንተ ወሰኸ፡ ኣምላኽ ከኣ ኣብዚ መጽሓፍ እዚ ተጽሒፉ ዘሎ መዓት ኪውስኸሉ እዩ። 19 - ሓደ ሰብ ከኣ ካብ ቃላት እዚ ትንቢት እዚ እንተ ኣጒደለ፡ ኣምላኽ ካብተን ኣብዚ መጽሓፍ እዚ ተጽሒፈን ዘለዋ ኦም ህይወትን እታ ቕድስቲ ኸተማን ግዲኡ ኼጒድለሉ እዩ።
20 - እቲ ነዚ ነገርዚ ዚምስክር፡ እወ፡ ቀልጢፈ እመጽእ ኣሎኹ፡ ይብል ኣሎ። ኣሜን፡ ጐይታና የሱስ፡ ንዓ።
21 - ጸጋ ጐይታና የሱስ ምስ ኲላቶም ቅዱሳት ይኹን። ኣሜን።