ምዕራፍ 1 2 3 4 5 6 7 8 9 10 11 12 13 14 15 16 17 18 19 20 21 22
ከምቲ ኣብ ራእ.1፡1 እነንብቦ፡ እዛ መጽሓፍ እዚኣ እግዚኣብሄር ንየሱስ ዝሃቦ፡ የሱስ ከኣ ብመልኣኹ ገይሩ ንሃዋርያ ዮሃንስ ዝገለጾ ራእይ ከም ዝኾነት ንርኢ (ራእ.1፡1)። ዮሃንስ ነቲ ራእይ፡ ነተን ኣብ ኣውራጃ እስያ ዝነበራ ሾብዓተ ማሕበራት የመሓላልፈለን (ራእ.1፡19)። ኣቐዲሙ ንነፍስ ወከፍ ማሕበር መልእኽቲ ይጽሕፍ (ራእ.2፡3)። ቀጺሉ ኸኣ ማሕተም እቲ መጽሓፍ ትንቢት በብሓደ ምስ ተኸፍተ፡ ብዛዕባ ናብ ካልኣይ ምጽኣት ክርስቶስ፡ ናብቲ ዓቢ ፍርድን፡ ናብታ ሓዳስ የሩሳሌምን፡ ናብቲ ሓድሽ ሰማይን ሓዳሽ ምድርን ይወስደና። ዮሃንስ ነቲ ዝረኣዮ ራእይ ምስ ኣረገ ኣብ ደሴት ጳጥሞስ ተኣሲሩ ኸሎ ብ 96 ዓ.ም. ኣቢሉ ጸሓፎ (ራእ.1፡9)።
ከምቲ ጎይታ፤ ﷽ንማሕበረይ ኣብዛ ኸውሒ እዚኣ ኽሃንጻ እየ፡ ደጌታት ሲኦል ድማ ኣይሕይልዋን፡ ዝበሎ (ማቴ.16፡18)፡ እዛ መጽሓፍ እዚኣ ኸኣ ድያብሎስ ኣብ ኩሉ ዘበናት ንቤተ ክርስትያን ኬጥፍእ ብምሉእ ሓይሉ ኸም ዝጸዓረ ትገልጸልና። ኣብ መወዳእታ ግና ባዕሉ ድያብሎስ ደኣ እምበር ቤተ ክርስትያንሲ ኣይትጠፍእን እያ። ድያብሎስ ዚከኣሎ ኹሉ እኳ እንተ ገበረ፡ ቤተ ክርስትያን ክትዕወት እያ። ራእይ ዮሃንስ ንጊዜ ስደት እትኸውን መጽሓፍ ተስፋ እያ።
ከምቲ ኣብ ሓያሎ መሓፍቲ ሓ.ኪ. ዘሎ፡ ብዝበለጸ ኣብ ራእይ ዮሃንስ፡ ኩነታት መንግስቲ ሰማያት ብምሳሌ ዛንታ ብ.ኪ. ንምምርማርን ነቲ ምስጢር ንምግንዛብን፡ ነቲ ኣብ እግሪ ገጻት እታ መጽሓፍ ዘሎ ጥቕስታት ምንባብ ጠቓሚ እዩ። ከምኡ ኸኣ እቲ ኣብ ራእይ ዮሃንስ ተጠቒሱ ዚርከብ ቁጽርታት፡ ምስጢር ኬመልክት እምበር ውሱን ኣሃዝ ኪገልጽ ኣይተጻሕፈን። (﷽ቁጽሪ ﷽ሽሕ ዓመት ተመልከት)። ንኣብነት፤ ዘበን፡ ዘበንን ፈረቓ ዘበንን (ሰለስተ ዓመትን ፈረቓን) ዚብል ቁጽርታት፡ ኣርብዓን ክልተ ወርሒ፡ ሽሕን ክልተ ሚእትን ስሳን መዓልቲ ተገሚቱ፡ ነቲ ብጊዜ ኤልያስ ዝነበረ ናይ ስደትን ጥሜትን ጊዜ፡ ከምኡውን ነቲ ናይ ክርስቶስን ኣዲኡን ናይ ስደት ጊዜ የዘኻኽረና። በዚ ኸኣ እግዚኣብሄር ኣብ ጊዜ መከራ ንህዝቡ ኸም ዚሕሉ ነስተውዕል (1ነገ.17፡1፤ 18፡1። ማቴ.2፡16-23። ያእ.5፡17። ራእ.11፡1-6፤ 12፡6-14፤ 13፡5)።
ክፍልታት ራእይ ዮሃንስ፤
1. ብዛዕባ እተን ኣብተን 7 ማሕበራት እተጻሕፋ መልእኽታት (ራእ.1-3)።
2. ብዛዕባ እቲ ኣብ ሰማይ ዚኸውን ነገራት፡ ቀዳማይ መግለጺ (ራእ.4-5)።
3. ብዛዕባ እቲ 7 ማሕተምን 7 መለኸትን (ራእ.6-12)።
4. ብዛዕባ እቲ ገበልን ኣራዊትን፡ ብዛዕባ እቲ ሓሳዊ ነብዪን (ራእ.12-13)።
5. ብዛዕባ እቲ ኣብ ሰማይ ዚኸውን ነገራት፡ ካልኣይ መግለጺ (ራእ.14)።
6. ብዛዕባ እተን 7 ጽዋኣት (ራእ.15-16)።
7. ብዛዕባ ምፍራስ ባቢሎን (ራእ.17-19)።
8. ብዛዕባ ኣቃውማ መንግስቲ ኣምላኽ (ራእ.20-22)።