ምዕራፍ 1 2 3 4 5 6 7 8 9 10 11 12 13 14 15 16
1 - እምብኣርሲ ኣይሁዳዊ ደኣ እንታይ እዩ ረብሓኡ፧ ጥቕሚ ግዝረትሲ እንታይ እዩ፧
2 - ብዂሉ ወገን ብዙሕ እዩ። ቅድሚ ዂሉ፡ ቃል ኣምላኽ ንኣታቶም ሕድሪ ተውሂብዎም እዩ።
3 - ሓያሎ ኻባታቶም ዘይእሙናት እንተ ዀኑ ግዲ እንታይ እዩ፧ እቲ ዘይእሙናት ምዃኖምዶ ነቲ ናይ ኣምላኽ እምንነት ከንቱ ይገብሮ እዩ፧
4 - ያእ ኣይፋሉን። ከምቲ፡ ብቓላትካ ኽትጸድቕ፡ ምስ ዚፍረደካውን ከትረትዕ ኢኻ፡ ዚብል ጽሑፍ ደኣ፡ ኣምላኽ ሓቀኛ ምዃኑ፡ ኲሉ ሰብ ግና ሓሳዊ ምዃኑ ይረኾብ።
5 - እቲ ዓመጻናስ ጽድቂ ኣምላኽ ዜርኢ ኻብ ኰነኸ፡ እንታይ ንበል፧ ኣምላኽ ቊጥዓኡ ምስ ዜውርድሲ፡ ዓማጺ ድዩ፧ ዓ ከም ኣዛራርባ ሰብ እዛረብ ኣሎኹ።
6 - ኣይፋሉን። ከመይ ኢሉ ደኣ ኣምላኽ ንዓለም ምፈረዳ፧
7 - እቲ ሓቂ ኣምላኽ በቲ ሓሶተይ ንኽብሩ ኻብ ወሰኸ፡ ስለምንታይ ደኣ ኣነ ኸም ሓጥእ ኰይነ ዝፍረድ፧
8 - ከመይ ደኣ ኸምቲ ዚጸርፉናን ገሊኦምውን፡ ጽቡቕ ምእንቲ ኺመጽእሲ ኽፉእ ንግበር፡ ከም እንብል ዚብሉናን፡ ዘይንገብር፧ ደይኒ ነዚኣቶም ቅኑዕ እዩ።
9 - እንታይ ደኣ እዩ፧ ካባታቶም እንሔሸሉዶ ኣሎና፧ ሓንቲ እኳ፡ ኣይሁድ ኰነ ወይስ ጽርኣውያን፡ ኲላቶም ትሕቲ ሓጢኣት ምዃኖም ቅድም ከሲስና ኣሎና። 10 - ከምኡውን ተጽሒፉ ኣሎ፡ ሓደ እኳ ጻድቕ የልቦን፡ 11 - ሓደ እኳ ዜስተብህል የልቦን፡ ሓደ እኳ ንኣምላኽ ዚደልዮ የልቦን። 12 - ኲላቶም ዘምበሉ፡ ኲላቶም ሐቢሮም ዘይጠቕሙ ዀኑ፡ ጽቡቕ ዚገብር የልቦን፡ ሓደ እኳ የልቦን። 13 - ጐረሮኦም ክፉት መቓብር እዩ፡ ብልሳውንቶም ይጥብሩ፡ ኣብ ትሕቲ ኸናፍሮም ሕንዚ መንደልቶ ኣሎ። 14 - ኣፎም መርገምን ምርን ምሉእ እዩ። 15 - ኣእጋሮም ንምፍሳስ ደም ቅልጡፍ እዩ። 16 - ኣብ መገዶም ጥፍኣትን ጸበባን ኣሎ፡ 17 - ንመገዲ ሰላም ከኣ ኣይፈልጥዋን እዮም። 18 - ኣብ ቅድሚ ኣዒንቶምውን ፍርሃት ኣምላኽ የልቦን።
19- ግናኸ ዂሉ ኣፍ ምእንቲ ኺዕጾ፡ ኲላ ዓለምውን ትሕቲ ፍርዲ ኣምላኽ ክትከውንሲ፡ እቲ ሕጊ ዚብሎ ዘበለ ነቶም ኣብ ትሕቲ ሕጊ ዘለዉ ኸም ዚዛረቦም፡ ንፈልጥ ኢና። 20 - ሕግስ ሓጢኣት እዩ ዜፍልጥ እሞ፡ ስለዚ ስጋ ዝለበሰ ዂሉ ኣብ ቅድሚ ብግብሪ ሕጊ ዚጸድቕ የልቦን።
21 - ሕጂ ግና እቲ ብሕግን ነብያትን እተመስከረሉ ጽድቂ ኣምላኽ ብዘይሕጊ ተገልጸ። 22 - ማለት፡ ጽድቂ ኣምላኽ ብምእማን ብየሱስ ክርስቶስ ንዚኣምኑ ዂላቶም እዩ፡ በዚ ሌላን ጒሌላን የልቦን እሞ፡ 23 - ኲሎም ሓጢኦም ክብሪ ኣምላኽውን ስኢኖም። 24 - በቲ ብየሱስ ክርስቶስ ዚርከብ በጃ ምሕላፍ ብኸምኡ ብጸጋኡ ይጸድቁ። 25 - ንእኡ ኸኣ፡ ነቲ ቐደም ብትዕግስቲ ኣምላኽ እተገብረ ሓጢኣት ይሕለፍ ስለ ዝሐደጎ፡ ኣምላኽ ጽድቁ ምእንቲ ኼርኢ፡ ብእምነት ብደሙ መተዓረቒ ገይሩ ኣቘሞ። 26 - ንሱ ጻድቕ ኪኸውን፡ ካብ እምነት የሱስ ንዝበለውን ኬጽድቕ፡ ሕጂ ኣብዚ ዘመን እዚ ጽድቁ ኺገልጽ እዩ።
27 - ምሕባን ደኣ ኣበይ ኣሎ፧ ተሪፉ። በየናይ ሕጊ፡ ብሕጊ ግብሪዶ፡ ኣይኰነን ብሕጊ እምነት ደኣ እዩ። 28 - ስለዚ ኸኣ ሰብ ብዘይግብሪ ሕጊ ብእንበት ከም ዝጽጸድቕ፡ ንብል ኣሎና። 29 ፡ 30 - ወይስ ኣምላኽ ናይ ኣይሁድ ኣምላኽ ጥራይ ድዩ፧ ኣምላኽ ኣህዛብሲ ኣይኰነንዶ፧ እቲ ንግዙር ካብ እምነት፡ ንዘይግዙርን ብእምነት ዜጽድቕ ኣምላኽ ሓደ ስለዝኾነ፡ እወ ናይ ኣህዛብውን እባ እዩ። 31 - እምበኣርሲ ንሕጊዶ ብእምነት ነፍርሶ ኣሎና፡ ያእ ኣይፋልናን፡ ንሕግስ እባ ነደልድሎ ደኣ ኣሎና።