1- እታ ዓላዊትን ርኽስትን፡ እታ ገፋዒት ከተማ፡ ወይለኣ። 2- ድምጺ ኣይትሰምዕን፡ ቅጽዓት ኣይትቕበልን፡ ኣብ እግዚኣብሄር ኣይትውከልን፡ ናብ ኣምላኽ ኣይትቐርብን። 3- መሳፍንታ ኣብ ማእከላ ጓዘምት ኣናብስ እዮም፡ ፈራዶኣ ንግሆ ገለ እኳ ዘየትርፉ ተዃሉ ምሸት እዮም። 4- ነብያት መጓበብትን ጠበርትን ሰብኡት እዮም፡ ካህናታ ንመቕደስ ኣርከስዎ፡ ንሕጊ ዐመጽዎ።
5- እግዚኣብሄር ኣብ ማእከላ ጻድቕ እዩ፡ ንሱ ኣይእብስን፡ ንግሆ ንግሆ ኸየብኮረ ፍርዱ ናብ ብርሃን የውጽእ፡ ዓማጺ ግና ሓንከት ኣይፈልጥን። 6- ኣነ ንህዝብታት ኣጽነትኩ፡ ግምብታቶም ዐነወ፡ ንመገድታቶም፡ ሓደ እኳ ኸይሐልፈን፡ ኣባደምክወን፡ ከተማታቶም ሓደ ሰብ ዜብለን፡ ዚነብረን እኳ ዜብለን ኮይነን ጠፍአ። 7- ኣነ ኸአ፡ እየ፡ እንተ ትፈርህንስ፡ መቕጻዕቲ ከአ እንተ ትቕበልስ፡ በልኩ። ሽዑ ሰፈራ በቲ እተጻባጸብክዋ ኹሉ ኣይምጠፍኤን፡ ንሳቶም ግና ንጎ ተንሲኦም ኩሉ ግብሮም ኣበላሸው።
8- እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል አሎ። ኩላ ምድሪ ብሓዊ ቅንኣተይክትውሓጥሲ፡ ኩራይን ርሱን ቁጥዓይን ምእንቲ ኸፍስሰሎም፡ ነህዛብ ክእክቦም፡ ንመንግስታት ከአ ክኣኻኽቦም ፍርደይ እዩ እሞ፡ ስለዚ ኽሳዕ እታ ንዘመተ ዝለዐለላ መዓልቲ ተጸበዩኒ። 9- ስለዚ ኹላቶም ንስም እግዚኣብሄር ኪጽውዑን ሓቢሮም ከአ ኬገልግልዎንሲ፡ ሽዑ ንህዝብታት ጽሩይ ከናፍር ክመልሰሎም እየ። 10- ካብ ክንየው ርባታት ኢትዮጵያ እቶም ተማህለልተይ፡ ፋሕ ዝበሉ ደቀይ፡ መባእ ኬምጽኡለይ እዮም። 11- ሽዑ ኣነ ነቶም ብኹርዓትካ ባህ ዝበሎም ካብ ማእከልኪ ኸውጽኦም እየ፡ ንስኺ ድማ ድሕርዚ ኣብቲ ቅዱስ ከረነይ ኣይክትኮርዕን ኢኺ እሞ፡ በታ መዓልቲ እቲኣ በቲ ንኣይ ዝበደልክሉ ኹሉ ግብርኺ ኣይክትሐንክን ኢኺ። 12- ኣብ ማእከልኪ ሽጉርን ድኻን ህዝቢ ኽሐድግ እየ፡ ንሳቶምውን ብስም እግዚኣብሄር ኪእመኒ እዮም። 13- ኪጓስዮን ኪድቅሱን እዮም፡ ዜሰምብዶም ድማ የልቦን እሞ፡ እቶም ተረፍ እስራኤል ኣይኪብድሉን ኣይኪሕስውን እዮም፡ ኣብ ኣፎም ከአ ጠላሚት ልሳን ኣይክትርከብን እያ።
14- አቲ ጓል ጽዮን፡ ዘምሪ፡ ኣታ እስራኤል፡ እልል በል፡ አቲ ጓል ዮርሳሌም፡ ብኹሉ ልብኺ ተሐጎሲ ባህ ከአ ይበልኪ። 15- እግዚኣብሄር ንፍርድኺ ኣርሐቖ፡ ንጸላኢኺ ሰጎጎ፡ እግዚኣብሄር ንጉስ እስራኤል ኣብ ማእከልኪ እዩ፡ ድሕርዚ ኸአ ገለ ኽፉእ ዜፍርህ የብልክን። 16-17- በታ መዓልቲ እቲኣ ንዮርሳሌም፡ ዎ ጽዮን፡ ኣይትፍርሂ፡ ኣእዳውኪ ኣይትሐለላ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽኪ ኣብ ማእከልኪ ዜድሕን ጅግና እዩ። ብኣኺ ሓጎስ ኪሕጎስ እዩ፡ ብፍቕሪ ኺሀድእ፡ ብኣኺ እልል እናበለ ኺሕጎስ እዩ፡ ኪብልዋ እዮም።
18- ነቶም ብዛዕባ በዓላት ዚጉህዩ ኽእክቦም እየ፡ ናትኪ እዮም፡ ጾሮም ጸርፊ ነበረ። 19- እንሆ፡ በቲ ጊዜ እቲ ነቶም ዚጭቁኑኺ ኸሎም ክጻረሮም እየ፡ ነታ ዝሐንከሰት ከድሕና፡ ነታ እተሰጎት ከኣ ክእክባ፡ ኣብቲ ዝነወርዎ ኹሉ ሃገራት ክቡራትን ስሙያትን ክገብሮም እየ። 20- ነቶም ምሩኻትኩም ኣብ ቅድሚ ኣዒንትኹም ምስ መለስክዎም። ኣብ ኩላቶም ህዝብታት ምድሪ ስሙያትን ክቡራትን ክገብረኩም እየ እሞ፡ በታ ጊዜ እቲኣ ኽአትወኩም፡ በታ ጊዜ እቲኣውን ክእክበኩም እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር።