ምዕራፍ 1
ይሁዳ፡ ሓደ ኻብቶም ﷽ኣሕዋት ጎይታ ተባሂሎም ዘለው እዩ (ማቴ.13፡55)። እታ መልእኽቲ ናበይ ከም እተላእከት እኳ ዘይንፈልጥ እንተ ኾንና ናብ ኣመንቲ ከም እተላእከትስ ፍሉጥ እዩ (ይሁ.1)። ከምቲ ጴጥሮስ ኣብታ ኻልአይቲ መልእኽቱ ጽሒፍዎ ዘሎ፡ ይሁዳውን ካብቶም ሓሶት ዚምህሩ ሰባት ኬጥንቅቕ መልእኽቱ ጸሓፈ። ኣብታ መልእኽቱ ብዛዕባ ካልእ ነገርውን ኪጽሕፍ ሓሲቡ ኸም ዝነበረ ንርኢ (ይሁ.3)። እንተኾነ ግን ናይቶም ሰባት ጣልቃ ምእታው ስለ እተረድኤ፡ ﷽ኻብኣቶም ተጠንቀቑ ኢሉ ይጽሕፍ (ይሁ.5-23)። ይሁዳ ኺጽሕፍ ከሎ ን 2ጴጥ.2 መሰረት ገይሩ ኸም ዝጸሓፈ ስለ ዚመስል፡ እቲ መልእኽቱ ዝጸሓፈሉ ጊዜ ድሕሪ 64 ዓ.ም. ኣቢሉ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ይሁዳ ንመጽሓፍ ሄኖክ ጠቒሱ ጽሒፉ ኣሎ (ይሁ.14-15)።