ምዕራፍ 1 2 3 4 5 6 7 8 9 10 11 12 13 14 15 16 17 18 19 20 21
1 - ቃል ብመጀመርታ ነበረ፡ እቲ ቓል ድማ ኣብ ኣምላኽ ነበረ፡ እቲ ቓልውን ኣምላኽ ነበረ። 2 - እዚ ብመጀመርታ ኣብ ኣምላኽ ነበረ። 3 - ብእኡ ዂሉ ዀነ፡ ካብቲ ዝዀነ ዘበለ ድማ ብዘይ ብእኡ ዝዀነ የልቦን። 4 - ህይወት ኣብኡ ነበረት፡ እታ ህይወት ከኣ ብርሃን ሰብ ነበረት። 5 - ብርሃንውን ኣብ ጸልማት የብርህ፡ ጸልማት ግና ኣይሐዞን።
6 - ዮሃንስ ዝስሙ ሰብኣይ ካብ ኣምላኽ ተልኢኹ ተንስኤ። 7 - ኲሎም ብእኡ ናብ እምነት ምእንቲ ኺበጽሑ፡ ብዛዕባ ብርሃን ኪምስክር ንሱ ንምስክር መጸ። 8 - ብዛዕባ ብርሃን ደኣ ኺምስክር መጸ እምበር፡ ንሱስ ብርሃን ኣይነበረን። 9 - እቲ ንነፍሲ ወከፍ ሰብ ዜብርህ ብርሃን ሓቂ ናብ ዓለም ይመጽእ ነበረ። 10 - ኣብ ዓለም ነበረ፡ ዓለምውን ብእኡ ዀነት፡ ዓለም ግና ኣይፈለጠቶም። 11 - ናብቶም ናቱ መጸ፡ እቶም ናቱ ኸኣ ኣይተቐበልዎን። 12 - ነቶም እተቐበልዎ ዘበሉ ዂሎም ብሱ ንዚኣምኑ ግና ውሉድ ኣምላኽ ኪዀኑ መሰል ሀቦም። 13 - ንሳቶም ከኣ ካብ ኣምላኽ እምበር፡ ካብ ደም፡ ወይ ካፍ ፍቓድ ስጋ፡ ወይ ካብ ፍቓድ ሰብኣይ ዘይተወልዱ እዮም። 14 - እቲ ቓል ስጋ ዀነ፡ ጸጋን ሓቅን መሊእዎ ኸኣ ኣባና ሐደረ። ክብረቱ ዳ ከም ክብሪ ናይቲ ሓደ ወዲ ነቦኡ ርኤና። 15 - ዮሃንስ ብዛዕባኡ መስከረ፡ እቲ ድሕረይ ዚመጽእ፡ ንሱ ቕድመይ ዝነበረ እዩ እሞ፡ ንሱ ቕድመይ ነበረ፡ እቲ ብዛዕባኡ ዝበልኩ ንሱ እዩ፡ ኢሉ ጨደረ። 16 ፡ 17 - ሕጊ ሙሴ ተውሂቡ እዩ እሞ፡ ጸጋን ሓቅን ግና ብየሱስ ክርስቶስ መጸ። እምብኣርከ ንሕና ዂላትና ኻብ ምልኣቱ ጸጋ ኣብ ልዕሊ ጸጋ ተቐበልና። 18 - ሓደ እኳ ንኣምላኽ ዝረኣዮ የልቦን፡ እቲ ኣብ ሕቚፊ ኣቦኡ ዘሎ ሓደ ወዲ፡ ንሱ ኣግሀዶ።
19 - ኣይሁድ፡ ንስኻ መን ኢኻ፧ ኢሎም ኪሐትዎ፡ ካብ የሩሳሌም ካህናትን ሌዋውያንን ምስ ለኣኹሉ፡ ምስክር ዮሃንስ እዚ እዩ፡ 20 - ንሱውን፡ ኣነስ ክርስቶስ ኣይኰንኩን፡ ኢሉ ተኣመነ እምበር፡ ኣይከሐደን። 21 - ንሳቶም ድማ፡ መን ደኣ ኢኻ፧ ኤልያስ ዲኻ፧ ኢሎም ሐተትዎ። ንሱ ኸኣ፡ ኣይኰንኩን፡ በለ። ንስኻስ እቲ ነብዪ ድኻ፧ ኣይኰንኩን፡ ኢሉ መለሰሎም። 22 - ሽዑ ንሳቶም፡ መን ኢኻ፧ ነቶም ዝለኣኹና ምላሽ ምእንቲ ኽንህቦምሲ፡ ብዛዕባ ርእስኻ እንታይ ትብል፧ በልዎ። 23 - ንሱ ኸኣ፡ ኣነስ፡ ከምቲ ነብዪ ኢሳይያስ፡ መገዲ እግዚኣብሄር ኣቕንዑ፡ ዝበሎ፡ ኣብ በረኻ ዚእውጅ ድምጺ እየ፡ በሎም። 24 - እቶም ልኡኻት ካብ ፈሪሳውያን ነበሩ። 25 - ንሳቶም ከኣ፡ እምብኣርሲ ክርስቶስ፡ ወይ ኤልያስ፡ ወይ እቲ ነብዪ ኻብ ዘይኰንካስ፡ ንምንታይ ደኣ ተጥምቕ ኣሎኻ፧ ኢሎም ሐተትዎ። 26 - ዮሃንስ ደማ፡ ኣነ ብማይ ኤጥምቕ ኣሎኹ፡ ግናኸ ንስኻትኩም ዘይትፈልጥዎ ኣብ ማእከልኩም ደው ኢሉ ኣሎ። 27 - እቲ ቕድመይ ዝነበረ ድሕረይ ዚመጽእ፡ ንሱ እዩ፡ ኣነ ስራኽ ኣሳእኑ ንምፍታሕ እኳ ዘይበቅዕ እየ፡ ኢሉ መለሰ። 28 - እዚ ኣብቲ ዮሃንስ የጥምቐሉ ዝነበረ፡ ኣብ ቢታንያ ኣብ ማዕጾ ዮርዳኖስ ኰነ።
29 - ንጽብሒቱ ዮሃንስ ንየሱስ፡ ናብኡ ኺመጽእ ከሎ፡ ረኣዮ እሞ፡ እንሆ፡ ሓጢኣት ዓለም ዜርሕቕ ገንሸል ኣምላኽ፡ በለ። 30 - እቲ ብዛዕባኡ፡ ሓደ ሰብኣይ ድሕረይ ይመጽእ፡ ንሱ ቕድመይ ነይሩ እዩ እሞ፡ ንሱ ቕድመይ ኰነ፡ ዝበልክዎ እዚ እዩ። 31 - ኣነ ድማ ኣይፈለጥክዎን፡ ንሱ ንእስራኤል ምእንቲ ኺግለጽ ግና፡ ኣነ ብማይ እናኣጥመቕኩ መጻእኩ። 32 - ዮሃንስ ድማ፡ መንፈስ ቅዱስ ካብ ሰማይ ከም ርግቢ ወሪዱ ኣብኡ ኪቕመጥ ከሎ ርኤኹ፡ ኢሉ መስክረ። 33 - እቲ ብማይ ከጥምቕ ዝለኣኸኒ ደኣ፡ እቲ፡ መንፈስ ቅዱስ ወሪዱ ኣብኡ ኪቕመጥ ከሎ እትርእዮ፡ ንሱ እዩ ብመንፈስ ቅዱስ ዜጥምቕ፡ ኢሉኒ እምበር፡ ኣነስ ኣይፈለጥክዎን። 34 - ኣነ ኸኣ ርኤኹ እሞ፡ ንሱ ወዲ ኣምላኽ ምዃኑ መስከርኩ።
35 - ንጽብሒቱ ድማ ዮሃንስ ምስ ክልተ ደቀ መዛሙርቱ ኸም ብሓድሽ ደው ኢሉ ነበረ። 36 - ንየሱስ ኪሐልፍ ከሎ ረኣዮ እሞ፡ እንሆ፡ ገንሸል ኣምላኽ፡ በለ። 37 - እቶም ክልተ ደቀ መዛሙርቱ ኸኣ፡ እዚ ኺብል ከሎ ሰሚዖም፡ ንየሱስ ሰዐብዎ። 38 - የሱስ ከኣ ግልጽ ኢሉ ኺስዕብዎ ኸለዉ ርእዩ፡ እንታይ ትደልዩ ኣሎኹም፧ በሎም። ንሳቶም ድማ፡ ረቢ፡ -ትርጉሙ መምህር፡ -ኣበይ ሰፊርካ ኣሎኻ፧ በልዎ። 39 - ንሱ፡ ንዑ ርኣዩ፡ በሎም። መጺኦም ኣበይ ከም ዝሰፈረ ረኣዩ፡ ሽዑ መዓልቲውን ምስኡ ወዐሉ። ኣስታት ዓስረይቲ ሰዓት ኣቢላ ኸኣ ነበረት። 40 - ካብቶም ንዮሃንስ ሰሚዖም ንየሱስ ዝሰዐብዎ ኽልተስ እቲ ሓደ እንድርያስ ሓው ስምኦን ጴጥሮስ እዩ። 41 - ንሱ ቕድም ንሓው ስምኦን ረኸቦ እሞ፡ ንመሲህ፡- ክርስቶስ ዝትርጉሙ፡- ረኸብናዮ፡ በሎ። 42 - ናብ የሱስውን ኣምጽኦ፡ የሱስ ከኣ ጠሚትዎ፡ ንስኻ ስምኦን ወዲ ዮና ኢኻ። ንስኻ ኬፋ - ጴጥሮስ ዝትርጉሙ፡ - ክትብሀል ኢኻ፡ በሎ።
43 - ንጽብሒቱ የሱስ ናብ ገሊላ ኪኸይድ ደለየ፡ ንፊልጶስ ከኣ ረኸቦ እሞ፡ ሰዐበኒ፡ በሎ። 44 - ፊልጶስ ከኣ ብዓል ሳይዳ ዓዲ እንድርያስን ጴጥሮስን እዩ። 45 - ፊልጶስ ንናትናኤል ረኸቦ እምኦ፡ እቲ፡ ሙሴ ኣብ ሕጊ ነብያትውን ብዛዕባኡ ዝጸሐፋ፡ የሱስ፡ ወዲ ዮሴፍ ብዓል ናዝሬት፡ ረኺብናዮ፡ በሎ። 46 - ናትናኤል ድማ፡ ካብ ናዝሬትዶ ገለ ሰናይ ኪመጽእ ይከኣል እዩ፧ በሎ። ፊልጶስውን፡ ንዓ ርኤ፡ በሎ። 47 - የሱስ ንናትናኤል ናብኡ ኺመጽእ ከሎ ምስ ረኣዮ፡ ብዛዕባኡ፡ እንሆ፡ ጒርሒ ዜብሉ ቕኑዕ እስራኤላዊ፡ በለ። 48 - ናትናኤል፡ ኣበይ ትፈልጠኒ፧ በሎ። የሱስ ከኣ፡ ፊልጶስ ከይጸውዓካ፡ ኣብ ትሕቲ በለስ ከሎኻ ርእየኻ፡ ኢሉ መለሰሉ። 49 - ናትናኤል ድማ፡ ረቢ፡ ንስኻ ወዲ ኣምላኽ ኢኻ፡ ንስኻ ንጉስ እስራኤል ኢኻ፡ ኢሉ መለሰሉ። 50 - ዮሱስ ድማ፡ ኣብ ትሕቲ በለስ ርእየካ ስለ ዝበልኩኻዶ ኣሚንካ፡ ካብዚ ዚዐቢ ነገር ክትርኢ ኢኻ፡ ኢሉ መለሰሉ። 51 - ካብ ሕጂ ሰማይ ተኸፊቱ፡ መላእኽቲ ኣምላኽውን ናብ ልዕሊ ወዲ ሰብ ኪድይቡን ኪወርዱን ከም እትርእዩ፡ ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ፡ በሎ።