ምዕራፍ 1 2 3 4 5 6 7 8 9 10 11 12 13 14 15 16 17 18 19 20 21
1 - ሽዑ ጲላጦስ ንየሱስ ወሲዱ ገረፎ። 2 - እቶም ጭፍራ ኸኣ ኣኽሊል እሾኽ ተኒጎም፡ ኣብ ርእሱ ደፍኡሉ፡ ቀይሕ ባርኖስውን ከደንዎ። 3 - መመጺኦም ከኣ፡ ዎ ንጉስ ኣይሁድ፡ ከመይ ኢኻ፧ ይብልዎ ገጹውን ይጸፍዕዎ ነበሩ። 4 - ጲላጦስ ከም ብሓድሽ ናብ ወጻኢ ወጺኡ፡ እዚ ሰብኣይዚ ሓንቲ በደል እኳ ኸም ዘይረኸብኩሉ ኽትፈልጡ፡ እንሆ፡ ናብ ወጻኢ ኤውጽኣልኩም ኣሎኹ፡ በሎም።
5 - ሽዑ የሱስ ኣኽሊል እሾዂ ደፊኡን ቀይሕ ባርኖስ ተኸዲኑን ናብ ወጻኢ ወጸ። ጲላጦስ ድማ፡ እንሆ እቲ ሰብኣይ፡ በሎም። 6 - ሊቃውንቲ ኻህናትን እቶም ገላዉን ምስ ረኣይዎ፡ ስቐሎ፡ ስቐሎ፡ ኢሎም ጫውጫው በሉ። ጲላጦስ ከኣ፡ ኣነስ ሓንቲ በደል እኳ ኣይረኸብኩሉን፡ ንስኻትኩም ወሲድኩም ስቐልዎ፡ በሎም። 7 - ኣይሁድ ከኣ፡ ንሕና ሕጊ ኣሎና፡ ንሱ ንርእሱ ወዲ ኣምላኽ ገይሩ እዩ እሞ፡ ከም ሕግና ኺመውት ይግብኦ እዩይ፡ ኢሎም መለሱሉ። 8 - ጲላጦስ እዚ ዘረባዚ ምስ ሰምዔ፡ ኣዝዩ ፈርሄ። 9 - ከም ብሓድሽ ናብ መጋባእያ ኣተወ እሞ ንየሱስ፡ ኣታ፡ ካበይ ኢኻ፧ በሎ። የሱስ ግና ኣይመለሰሉን። 10 - ጲላጦስ ከኣ፡ ንኣይከ ኣይትዛረበንን ዲኻ፧ ክሰቕለካን ክፈትሓካን ስልጣን ከም ዘሎኒዶ ኣይትፈልጥን ኢኻ፧ በሎ።
11 - የሱስ ከኣ፡ ካብ ላዕሊ እንተ ዘይውሀበካስ፡ ኣባይ ስልጣን ኣይምሀለወካን ነይሩ። ስለዚ እቲ ኣባኻ ዘትሐዘኒ ሓጢኣቱ ዝገደደ እዩ፡ ኢሉ መለሰሉ።
12 - ካብኡ ንነጀው ጲላጦስ ኪፈትሖ ደለየ። ኣይሁድ ግና፡ ነዚ እንተ ፈታሕካዮ፡ ፈታው ቄሳር ኣይኰንካን። ርእሱ ኼንግስ ዚደሊ ዘበለ ዂሉ መቐናቕንቲ ቄሳር እዩ፡ ኢሎም ጫውጫው በሉ።
13 - ጲላጦስ ነዚ ዘረባዚ ምስ ሰምዔ፡ ንየሱስ ናብ ወጻኢ ወሲዱ፡ ኣብቲ ጸፍጸፍ ዚብልዎ፡ ብእብራይስጢ ገበታ ዚብሀል ስፍራ ኣብ መንበር ፍርዲ ተቐመጠ። 14 - ድሮ ፋስጋ፡ ኣስታት ሳድሰይቲ ሰዓት ኣቢሉ ነበረ። ንኣይሁድ ከኣ፡ እንሆ ንጉስኩም፡ በሎም። 15 - ሽዑ ንሳቶም፡ ንየው በሎ፡ ንየው በሎ፡ ስቐሎ፡ ኢሎም ጫውጫው በሉ። ጲላጦስ ከኣ፡ ንንጉስኩምዶ ኽሰቕሎ፧ በሎም። እቶም ሊቃውንቲ ኻህናት ከኣ፡ ብዘይ ቄሳርሲ ንጉስ የብልናን፡ ኢሎም መለሱ። 16 - ሽዑ ኺስቐል ኣሕሊፉ ሀቦም።
ተቐቢሎም ድማ ወሰድዎ። 17 - መስቀሉ ጸይሩ ኸኣ፡ ቀረንቀራ ርእሲ ናብ እትብሀል ስፍራ፡ ብእብራይስጢ ድማ ጐልጎታ እትብሀል፡ ወጸ። 18 - ኣብኣ ሰቐልዎ፡ ክልተ ኻልኦት ድማ ምስኡ፡ ሓደ በዚ፡ ሓደ በቲ፡ የሱስውን ኣብ ማእከሎም። 19 - ጲላጦስ ድማ ጽሕፈት ጽሒፉ ኣብቲ መስቀል ኣንበሮ። እቲ ጽሕፈቱ ኸኣ፡ የሱስ ናዝሬታዊ፡ ንጉስ ኣይሁድ፡ ዚብል እዩ።
20 - እታ የሱስ እተሰቕለላ ስፍራ ጥቓ እታ ኸተማ ስለ ዝነበረት፡ ነዚ ጽሑፍ እዚ ብዙሓት ካብ ኣይሁድ ኣንበብዎ። እቲ ጽሕፈቱ ኸኣ ብቛንቋ እብራይስጥን ሮሜን ጽርእን እዩ። 21 - ስለዚ እቶም ሊቃውንቲ ኻህናት ኣይሁድ ንጲላጦስ፡ ንሱ ባዕሉ፡ ኣነ ንጉስ ኣይሁድ እየ፡ ከም ዝበለ ደኣ እምበር፡ ንጉስ ኣይሁድ እዩ፡ ኢልካስ ኣይትጽሐፍ፡ በልዎ። 22 - ጲላጦስ፡ ዝጸሐፍክዎ ጽሐፍኩ፡ ኢሉ መለሰ።
23 - እቶም ዓቀይቲ ግና ንየሱስ ምስ ሰቐልዎ፡ ነንሓድ ዓቀይታይ ግዲኡ፡ ነቲ ቐምሹውን ከምኡ። እቲ ቐምሹ ግና ካብ ላዕሊ ኽሳዕ ታሕቲ ዂለንትናኡ እሉም ነበረ እምበር፡ ስፋይ ኣይነበሮን። 24 - ንሓድሕዶም ከኣ፡ ንዝበጽሔ ኺበጽሖስ ዕጭ ደኣ ነውድቐሉ እምበር፡ ኣይንቕደዶ፡ ተባሃህሉ። እቲ፡ ክዳውንተይ ንርእሶም ተማቐልዎ፡ ንቐምሸይውን ዕጭ ተዋደቑሉ፡ ዚብል ጽሑፍ ምእንቲ ኺፍጸም እዮም እቶም ዓቀይቲ እዚ ዝገበሩ።
25 - ኣብ ጥቓ መስቀል የሱስ ከኣ ኣዲኡን ሓብቲኖኡ ማርያም ሰበይቲ ቀልዮጳን ማርያም መግደላዊትን ደው ኢለን ነበራ። 26 - የሱስ ነዲኡን ነቲ ዜፍቅሮ ወዲ መጽሙርውን ኣብ ጥቓኣ ደው ኢሉን ምስ ረኣየ፡ ነዲኡ፡ ኣቲ ሰበይቲ፡ እንሆ ወድኺ፡ በላ። 27 - ነቲ ወደ መዝሙር ከኣ፡ እንሃ ኣዴኻ፡ በሎ። እቲ ወደ መዝሙርውን ካብ ሽዑ ጀሚሩ ናብ ቤቱ ወሰዳ።
28 - ድሕርዚ የሱስ ኲሉ ኸም እተፈጸመ ፈሊጡ፡ እቲ ጽሑፍ ምእንቲ ኺፍጸም፡ ጸማእኩ፡ በለ። 29 - ኣብኡ መጺጽ ዝመልኤ ኣቕሓ ነበረ፡ ሽዑ መጺጽ ዝመልኤ ሰፍነግ ኣብ ዘንጊ ስምዕዛ ገይሮም ናብ ኣፉ ኣቕረቡሉ። 30 - የሱስ ከኣ ነቲ መጺጽ ምስ ጠዐመ፡ ተፈጸመ፡ በለ። ርእሱ ኣድነነ፡ ነፍሱውን ወጸት።
31 - ስለዚ፡ ድሮ ሰንበት ነበረ እሞ፡ እታ ሰንበት እቲኣ ኽብርቲ በዓል ዓመት ስለ ዝዀነት፡ እቲ ስጋኦም ኣብ መስቀል ምእንቲ ኸይሐድር፡ መሓዂልቶም ሰሰቢሮም ኬውርድዎም፡ እቶም ኣይሁድ ንጲላጦስ ለመንዎ። 32 - ሽዑ እቶም ዓቀይቲ መጺኦም መሓዂልቲ እቲ ቐዳማይን ናይቲ ምስኡ እተሰቕለ ኻልኣይን ሰበሩ። 33 - ናብ የሱስ መ መጹ ግና፡ ሽዓ ኸም ዝዓረፈ ርእዮም፡ መሓዂልቱ አይሰበርዎን። 34 - ሓደ ኻብቶም ዓቀይቲ ግና ጐድኑ ብዂናት ወግኦ፡ ብኡብኡ ኸኣ ደምን ማይን ወጸ። 35 - እቲ ዝረኣየ ኸኣ መስከረ፡ ምስክሩውን ሓቂ እዩ። ንሱ ኸኣ፡ ንስኻትኩም ምእንቲ ኽትኣምኑ፡ ሓቂ ኸም እተዛረበ ይፈልጥ ኣሎ። 36 - እቲ፡ ካብኡ ሓደ ዓጽሚ እኳ ኣይኪሰብሩን እዮም፡ ዚብል ጽሑፍ ምእንቲ ኺፍጸም እዩ እዚ ዝዀነ። 37 - ካልእ ጽሑፍውን፡ እቶም ዝወግእዎ ኺርእይዎ እዮም፡ ይብል እዩ።
38 - ድሕርዚ ዮሴፍ ብዓል ኣርማትያስ፡ እቲ ንኣይሁድ ስለ ዝፈርሄ ብሕቡእ ወደ መዝሙር የሱስ ዝነበረ፡ ንሱ ስጋ የሱስ ኪወስድ ንጲላጦስ ለመኖ። ጲላጦስ ከኣ ፈቐደሉ። ሽዑ ኸይዱ ንስጋ የሱስ ወሰዶ። 39 - እቲ ቕድሚ ብለይቲ ናብ የሱስ መጺኡ ዝነበረ ኒቆዲሞስውን መጸ እሞ ኣስታት ሚእቲ ነጥሪ ዚኣክል ከርበን ዓልወን እተሖሰ ኣምጽኤ። 40 - ንስጋ የሱስ ወስዲ፡ ከምቲ ልማድ ቀብሪ ኣይሁድን ኣጋናንዛኦምን ብበፍታ ምስ ሽቱ ገይሮም ገነዝዎ። 41 - ኣብታ እተሰቕለላ ስፍራ ድማ ኣታኽልቲ ነበረ። ኣብቲ ኣታኽልቲ ኸኣ እተቐብረሉ ዜብሉ ሓድሽ መቓብር ጸንሔ። 42 - እቲ መቓብር ቀረባ ነበረ እሞ፡ ድሮ ሰንበት ስለ ዝነበረ፡ ንየሱስ ኣብኡ ኣንበርዎ።