ምዕራፍ 1 2 3 4 5 6 7 8 9 10 11 12 13 14 15 16 17 18 19 20 21 22 23 24 25 26 27 28 29 30 31 32 33 34 35 36 37 38 39 40 41 42 43 44 45 46 47 48 49 50
1 - ኣምላኽ ብመጀምርያ ሰማይን ምድርን ፈጠረ። 2 - ምድሪ ድማ በረኻን ጥራያን ነብረት ጸልማት ከኣ ኣብ ልዕሊ መዓሙቕ ነበረ። መንፈስ ኣምላኽ ድማ ኣብ ልዕሊ ማያት ይዝንቢ ነብረ። 3 - ኣምላኽ ክኣ፡ ብርሃን ይኹን በለ። ብርሃን ድማ ኾነ። 4 - ኣምላኽ ድማ ነቲ ብርሃን ጽቡቕ ከም ዝኾነ ረኣየ። ኣምላኽ ክኣ ነቲ ብርሃን ካብ ጸልማት ፈለዮ። 5 - ኣምላኽ ነቲ ብርሃን መዓልቲ ኣውጽኣሉ። ነቲ ጸልማት ከኣ ለይቲ ኣውጽኣሉ። ምሸት ኮነ ብጊሓትውን ኮነ፡ ሓንቲ መዓልቲ።
6 - ኣምላኽ ድማ ንማያት ካብ ማይት ዚፈሊ ጠፈር ኣብ መንጎ ማያት ይኹን በለ። 7 - ኣምላኽ ነቲ ጠፈር ገበሮ። ነቲ ኣብ ትሕቲ ጠፈር ዝለኦ ማያት ድማ ኻብቲ ኣብ ልዕሊ ጠፈር ዘሎ ማያት ፈለዮ ከምኡውን ኮነ። 8 - ኣምላኽ ክኣ ነቲ ጠፈር ሰማይ ኣውጽኣሉ። ምሸት ኮነ ብጊሓትውን ኮነ፡ ካልኣይቲ መዓልቲ።
9 - ኣምላኽ ድማ እቲ ንቑጽ ማንቲ ኪርኤስ፡ እቲ ኣብ ትሕቲ ሰማይ ዘሎ ማያት ናብ ሓንቲ ቦታት ይተኣከብ፡ በለ። ከምኡ ድማ ኾነ። 10 - ኣምላኽ ክኣ ነቲ ንቑጽ ምድሪ ኣውጽኣሉ፡ ነቲ እኩብ ማያት ድማ ባሕሪ ኣውጽኣሉ። ኣምላኽ ከኣ ጽቡቕ ከምዝኾነ ረኣየ። 11 - ኣምላኽ ድማ እታ ምድሪ ሳዕርን ዘርኢ ዙህ ብቑልን፡ ዘርኡ ኣብ ርእሱ ዘለዎ ፍረ ከከም ዓይነቱ ኣብ ምድሪ ዚፈሪ ኦም ተውጽእ በለ። ከምኡ ድማ ኾነ። 12 - እታ ምድሪ ሳዕርን ከከም ዓይነቱ ዘርኢ ዝህብ ብቑልን ዘርኡ ኣብ ርእሱ ዘለዎ ፍረ ዘፈሪ ኣእዋም ክኣ ኣውጽኤት። ኣምላኽ ድማ ጽቡቕ ከም ዝኾነ ረኣየ። 13 - ምሸት ኮነ ብጊሓትውን ኮነ ሳልሰይቲ መዓልቲ።
14 - ኣምላኽ ድማ፡ ንመዓልቲ ኻብ ለይቲ ዘፈልዩ ብርሃናት ኣብ ጠፈር ሰማይ ይኹን፡ ንዘበናትን መዓልታትን ዓመታትትን ከኣ ንመፈለጥታ ይኹኑ። 15 - ኣብ ምድሪ ንምብራህ ኣብ ጠፈር ሰማይ ብርሃናት ይኹን በለ ከምኡ ድማ ኾነ። 16 - ኣምላኽ ክኣ ክልተ ዓበይቲ ብርሃናት ገብረ፡ እቲ ዓብዩ ብርሃንን ብመዓልቲ ኽስልጥን እቲ ንእሽቶ ብርሃን ድማ ብለይቲ ክስልጥን፡ ከዋኽብቲውን ገብረ። 17-18 - ኣብ ልዕሊ ምድሪ ምእንቲ ኼብርሁ ኣብ መዓልትን ኣብ ለይትን ድማ ኪስልጥኑ፡ ንብርሃንውን ካብ ጸልማት ኪፍልዮ፡ ኣምላኽ ኣብ ጠፈር ሰማይ ገበሮም። ኣምላኽ ድማ ጽቡቕ ከም ዝኾነ ረኣየ። 19 - ምሸት ኮነ ብጊሓትውን ኮነ ራብዐይቲ መዓልቲ።
20 - ኣምላኽ ድማ፡ ማያት ህያው ነፍሲ ዝለዎ ውንጅርጅር ዝብል እንስሳ የውጽእ፡ ኣብ ልዕሊ ምድሪ ኣብ ትሕቲ ጠፈር ሰማይ ክኣ ኣዕዋፍ ይንፈራ በለ። 21 - ኣምላኽ ድማ ነቶም ዓበይቲ እንስሳ ባሕርን ነቲ ማያት ዘውጽኦ በብዓይነቱ ህያው ነፍሲ ዘለዎ ውንጅርጅር ዝብል ኩሉን፡ ክንፊ ዘለዎን በብዓይነቱን ኩለን ኣዕዋፍን ፈጠረ። ኣምላኽ ከኣ ጽቡቕ ከም ዝኾነ ረኣየ። 22 - ኣምላኽ ድማ ፍረዩን ተባዝሑን ንማያት ባሕሪ ምልእዎ፡ ኣዕዋፍ ከኣ ኣብ ምድሪ ይብዝሓ ኢሉ ባረኾም። 23 - ምሸት ኮነ ብጊሓትውን ኮነ ሓምሰይቲ መዓልቲ።
24 - ኣምላኽ ድማ ምድሪ ህያው ነፍሲ ዝለዎ በብዓይነቱ እንስሳን ለመምታን ኣራዊት ምድርን በብዓይነቱ ተውጽእ በለ። ከምኡ’ውን ኮነ። 25 - ኣምላኽ ከኣ ኣራዊት ምድሪ በብዓይነቱን እንስሳ በብዓይነቱን ኩሉ ለምምታ ምድሪ ኽኣ በብዓይነቱ ገብረ። ኣምላኽ ስማ ጽቡቕ ከም ዝኾነ ረኣየ።
26 - ኣምላኽ ክኣ ብመልክዕና ኸም ምስልና ሰብ ንግበር ንዓሳ ባሕርን ነዕዋፍ አማይን ንእንስሳን ንብዘላ ምድርን ኣብ ምድሪ ለመም ንዝብል ኩሉ ለመምታን ይግዝኡ በለ። 27 - ኣምላኽ ድማ ብመልክዑ ሰብ ፈጠረ። ብመልክዕ ኣምላኽ ፈጠሮ። ተባዕታይን ኣንስታይን ገይሩ ፈጠሮም። 28 - ኣምላኽ ከኣ ባረኾም። ኣምላኽ ድማ ፈረዩን ተባዝሑን ንምድሪ ኽኣ ምልእውን ምለኽዋን፡ ንዓሳ ብሕርን ንዕዋፍ ሰማይን ኣብ ምድሪ ለመም ንዝብል ኩሉ እንስሳን ከኣ ግዝኡ በሎም። 29 - ኣምላኽ ድማ፡ እንሆ፡ ኣብ ልዕሊ ኹላ ምድሪ ዘርኢ ዘለዎ ኹሉ ኣሕምልትን ዘዝራእ ዘርኢ ዘለዎ ፍረ ኦም ናይ ኹሉ ኣእዋምን ሂበኩም ኣለኹ እሞ ምግቢ ይኹንኩም። 30 - ንኹሉ ኣራዊት ምድርን ንኹለን ኣዕዋፍ ሰማይን ህያው ነፍሲ ንዘለዎ ኣብ ምድሪ ለመም ንዝብል ኩሉ ኽኣ ኩሉ ለምለም ሳዕሪ ንምግቦም ሂበዮም ኣለኹ፡ በለ። ከምኡ ድማ ኾነ። 31 - ኣምላኽ ኽኣ ዝገብሮ ዘበለ ኹሉ ረኣየ፡ እንሆ ብዙሕ ጽቡቕ ኮነ። ምሸት ኮነ ብጊሓትውን ኮነ ሳድሰይቲ መዓልቲ።