ምዕራፍ 1 2 3 4 5 6 7 8 9 10 11 12 13 14 15 16 17 18 19 20 21 22 23 24 25 26 27 28 29 30 31 32 33 34 35 36 37 38 39 40 41 42 43 44 45 46 47 48 49 50
1 - ኣዳም ድማ ንሰበይቱ ፈለጣ፡ እሞ ተነሰት፡ ንቃየል ከኣ ወለደት፡ ብረድኤት እግዚኣብሄር ሰብ ተቐበልኩ ድማ በለት። 2 - ደጊማውን ንሓው ኣቤል ወለደት። ኣቤል ድማ ጓሳ ኣባጊዕ፡ ቃየል ከኣ ዓያዩ ምድሪ ኾነ። 3 - ድሕሪ ገለ ወርሓት ድማ ኾነ፡ ቃየል ካብ ፍረ ምድሪ ንእግዚኣብሄር መስዋእቲ ኣምጽኤ። 4 - ኣቤል ክኣ ካብ በኹራት ኣባጊዑን ካብ ስብሔንን ኣምጼኤ። እግዚኣብሄር ድማ ናብ ኣቤልን ናብ መስዋእቱን ባህ ኢልዎ ረኣየ። 5 - ናብ ቃየልን ናብ መስዋእቱን ግና ባህ ኢልዎ ኣይረኣየን። ቃየል ከኣ ኣዝዩ ኾረየ፡ ገጹ ድማ ጸለመ። 6 - እግዚኣብሄር ክኣ ንቃየል፡ ስለምንታይ ኮሬኻ፡ ስለምንታይ ገጽካ ጸለመ። 7 - ጽቡቕ እንተ ትገብርሲ፡ ገጽካሶ ትኽ ኣይምበለን፡ ጽቡቕ እንተ ዘይገበካ ድማ፡ ሓጢኣት ኣብ ኣፍ ደገ ትቃጸወካ ኣላ፡ ሃረርታኣውን ናባኻ ኢዩ። ግናኸ ንስኻ ክትገዝኣ ይግብኣካ በሎ። 8 - ቃየል ድማ ንሓው ኣቤል ተዛረቦ፡ ኾነ ኽኣ፡ ኣብ መሮር ከለው፡ ቃየል ንሓው ኣቤል ተንስኦ፡ ቀተሎ ድማ።
9 - እግዚኣብሄር ክኣ ንቃየል፡ ኣቤል ሓውካ ኣበይ ኣሎ በሎ። ንሱ ድማ፡ ኣይፈልጥን፡ ኣነዶ ሓላው ሓወይ ኢየ በለ። 10 - ንሱ ኽኣ እንታይ ጌርካ ኢኻ፡ ድምጺ ደም ሓውኻ ካብ ምድሪ ናባይ ይጠርዕ ኣሎ። 11 - ሕጂ ድማ ንስኻ ካብዛ ንደም ሓውካ ኻብ ኢድካ ክትቅበል ኣፋ ዝኸፈተት ምድሪ ርጉም ኩን፡ 12 - ንምድሪ ምስ እትሓርሳ መሊሳ ሓይላ ኣይክትህበካን ኢያ፡ ኣብ ምድሪ ኮብላልን ቀባሕባሓይን ኩን በለ። 13 - ቃየል ከኣ ንእግዚኣብሄር በሎ፡ በደለይ ክጾሮ ዘይክኣለኒ ዓብዩ ኢዩ። 14 - እንሆ ሎሚ ኻብ ገጽ ምድሪ ተሰጎኒ ኣሎኻ። ኣነ ድማ ኻብ ገጽካ ኽሕባእ ኢየ፡ ኣብ ምድሪ ኾብላልን ቀባሕብሓይን ኸኸውን ኢየ፡ ኸኸውን ክኣ ኢዩ፡ ዚረኸበኒ ዘበለ ኹሉ ኪቐትለኒ ኢዩ። 15 - እግዚኣብሄር ድማ፡ እምበኣር ንቃየል ዝቐተለ ኹሉ ሾብዓተ ኻዕበት ሕነ ኽፈድዮ ኢየ በሎ። ዝረኸቦ ኹሉ ምእንቲ ኸይቀትሎ ኽኣ፡ እግዚኣብሄር ንቃየል ምልክት ገብረሉ።
16 - ቃየል ድማ ካብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ወጸ፡ ኣብ ምድሪ ኖድ ከኣ፡ ኣብ ምብራቕ ኤድን ተቐመጠ። 17 - ቃየል ከኣ ንሰበይቱ ፈለጣ፡ እሞ ጠሞ ጠነሰት፡ ንሄኖክ ድማ ወለደት። ንሱ ኽኣ ከተማ ሰርሔ፡ ስም እታ ኸተማ ድማ ብስም ወዱ ሄኖክ ኣውጽኣላ። 18 - ንሄኖክ ከኣ ኢራድ ተወልደሉ። ኤራድ ድማ ንሜሁያኤል ወለደ። ሜሁያኤል ከኣ ንማቱሳኤል ወለደ። ማቱሳኤል ድማ ንላሜክ ወለደ። 19 - ላሜክ ክልተ ኣንስቲ ኣእተወ፡ ስም እታ ሃንቲ ዓዳ ስም እታ ኻልኣይቲ ድማ ጺላ ነበረ። 20 - ዓዳ ንያባል ወለደት። ንሱ ኣቦ እቶም ኣብ ድንኳውንቲ ዚነብሩን ማሎም ዚጓስዩን ኮነ። 21 - ስም ሓው ኽኣ ዩባል ኢዩ። ንሱ ኽኣ ኣቦ ኹሎም ኣቶም ወቓዕቲ መሰንቆን በገናን ኮነ። 22 - ጺላ ድማ ንቱባል-ቃይን ወለደት። ንሱ ኽኣ ካብ ኣስራዝን ሓጺንን ኩሉ ዓይነት መቕረጺ ይሰርሕ ነበረ፡ ሓውቲ ቱባል-ቃይን ድማ ናዕማ ኢያ።
23 - ላሜክ ድማ ነንስቱ በለን
ዓዳን ጺላን፡ ቃለይ ስምዓ፡
ኣትን ኣንስቲ ላሜክ፡ ናብ ዘረባይ ን በላ፡
ስለ ቑስለይ ሰብኣይ፡
ስለ ዝምብራተይ ድማ ጎበዝ ቀተልኩ።
24 - ንቃየል ሾብዓተ ኻዕበት ሓነ እንተ ዝፈድዮስ ንላሜክ ክኣ ስብዓን ሾብዓተን ካዕበት።
25 - ኣዳም መሊሱ ንሰበይቱ ፈለጣ። ንሳ ኽኣ ወዲ ወለደት፡ ኣምላኽ ኣብ ክንዲ እቲ ቃየል ዝቐተሎ ኣቤል ካልእ ፍረ ኸርሲ ተኪኡኒ ኢዩ። ኢላ ስሙ ሴት ኣውጽኣትሉ።
26 - ንሴት ድማ ወዲ ተወልደሉ። ስሙ ኽኣ ሄኖክ ኣውጽኣትሉ። ሽዑ ሰብ ብስም እግዚኣብሄር ክምህለል ጀመሩ።