ምዕራፍ 1 2 3 4 5 6 7 8 9 10 11 12 13 14 15 16 17 18 19 20 21 22 23 24 25 26 27 28 29 30 31 32 33 34 35 36 37 38 39 40 41 42 43 44 45 46 47 48 49 50
1 - መጽሓፍ ወለዶ ኣዳም እዚ ኢዩ፡ ኣምላኽ በታ ንሰብ ዝፈጠረላ መዓልቲ ብምስሊ ኣምላኽ ገበሮ። 2 - ተባዕታይን ኣንስታይን ገይሩ ፈጠሮም ባረኾም ድማ። በታ እተፈጥሩላ መዓልቲ ክኣ ስሞም ኣዳም ኢሉ ኣውጽኣሎም።
3 - ኣዳም ድማ ሚእትን ሰላሳን ዓመት ገብረ፡ ከም መልክዑ ኽኣ ንእኡ ዝመስል ወዲ ወለደ፡ ስሙውን ሴት ኣውጽኣሉ። 4 - ዕድመ ኣዳም ድሕርቲ ንሴት ምስ ወለደ፡ ሾሞንተ ሚእቲ ዓመት ኮነ። ኣወዳትን ኣዋልድን ከኣ ወለደ። 5 - ኣዳም ዝነበሮ ኹሉ ዕድሜኡ ትሽዓተ ሚእትን ሰላሳን ዓመት ኮነ። ሞተ ኽኣ።
6 - ሴት ድማ ሚእትን ሓሙሽተን ዓመት ገበረ፡ ንሄኖክ ከኣ ወለደ። 7 - ሴት ንሄኖስ ምስ ወለደ ድማ፡ ድሕሪኡ ሾሞንተ ሚእትን ሾብዓተን ዓመት ገብረ፡ ኣወዳትን ኣዋልድን ድማ ወለደ። 8 - ኩሉ ዕድመ ሴት፡ ትሸዓተ ሚእትን ዓሰርተው ክልተን ዓመት ኮነ። ሞተ ኽኣ።
9 - ሄኖስ ድማ ተስዓ ዓመት ገብረ፡ ንቃይናን ክኣ ወለደ። 10 - ሄኖስ ድማ ድሕርቲ ንቃይናን ምስ ወለደ፡ ሾሞንተ ሚእትን ዓሰርተው ሓሙሽተን ዓመት ገብረ፡ ኣወዳትን ኣዋልድን ከኣ ወለደ። 11 - ኩሉ ዕድመ ሄኖስ ትሸዓተ ሚእትን ሓሙሽተን ዓመት ኮነ። ሞተ ድማ ።
12 - ቃይናን ከኣ ሰብዓ ዓመት ገብረ፡ ነመሃላልኤል ድማ ወለደ። 13 - ቃይናን ነመሃላልኤል ምስ ወለደ ኽኣ፡ ድሕርኡ ሾሞንተ ሚእትን ኣርብዓን ዓመት ገብረ፡ ኣወዳትን ኣዋልድን ድማ ወለደ። 14 - ኩሉ ዕድመ ቃይናን ከኣ ትሽዓተ ሚእትን ዓሰርተን ዓመት ኮነ። ሞተ ድማ።
15 - መሃላልኤል ከኣ ስሳን ሓሙሽተን ዓመት ገብረ፡ ንያሬድ ድማ ወለደ። 16 - መሃላልኤል ንያሬድ ምስ ወለደ ኽኣ፡ ድሕሪኡ ሾሞንተ ሚእትን ሰላሳን ዓመት ገብረ፡ ኣወዳትን ኣዋልድን ድማ ወለደ። 17 - ኩሉ ዕድመ መሃላልኤል ከኣ ሾሞንተ ሚእትን ተስዓን ሓሙሽተን ዓመት ኮነ። ሞተ ድማ።
18 - ያሬድ ክኣ ሚእትን ስሳን ክልተን ዓመት ገብረ፡ ንሄኖክ ድማ ወለደ። 19 - ያሬድ ንሄኖክ ምስ ወለደ ኽኣ፡ ድሕሪኡ ሾሞንተ ሚእቲ ዓመት ገብረ፡ ኣወዳትን ኣዋልድን ድማ ወለደ። 20 - ኩሉ ዕድመ ያሬድ ከኣ ትሽዓተ ሚእትን ስሳን ክልተን ዓመት ኮነ። ሞተ ኽኣ።
21 - ሄኖክ ድማ ስሳን ሓሙሽተን ዓመት ገብረ ንማቱሳላ ኽኣ ወለደ። 22 - ሄኖክ ማቱሳላ ምስ ወለደ ኽኣ፡ ድሕሪኡ ሰለስተ ሚእቲ ዓመት ምስ ኣምላኽ ተማላለሰ፡ ኣወዳትን ኣዋልድን ከኣ ወለደ። 23 - ኩሉ ዕድመ ሄኖክ ድማ ሰለስተ ሚእትን ስሳን ሓሙሽተን ዓመት ኮነ። 24 - ሄኖክ ከኣ ምስ ኣምላኽ ተማላለሰ፡ ኣምላኽ ወሲድዎ ኢዩ እሞ ኣይተራእየን።
25 - ማቱሳላ ስማ ሚእትን ሰማንያን ሾብዓተን ዓመት ገብረ፡ ንላሜክ ከኣ ወለደ። 26 - ማቱስላ ንላሜክ ምስ ወለደ ኽኣ፡ ድሕሪኡ ሾብዓተ ሚእትን ሰማንያን ክልተን ዓመት ገብረ፡ ኣወዳትን ኣዋልደን ከኣ ወለደ። 27 - ኩሉ ዕድመ ማቱስላ ኽኣ ትሽዓተ ሚእትን ስሳን ትሽዓተን ዓመት ኮነ። ሞተ ድማ።
28 - ላሜክ ከኣ ሚእትን ሰማንያን ክልተን ዓመት ገብረ፡ ወዲ ድማ ወለደ። 29 - ኣብዚ እግዚኣብሄር ዝረገማ ምድሪ ኻብ ዘሎ ዕዮናን ካብ ጻዕሪ ኢድናን እዚ ኼጸናንዓና ኢዩ፡ ኢሉ ስሙ ኖህ ኣውጽኣሉ። 30 - ላሜክ ንኖህ ምስ ወለደ ኽኣ ድሕሪኡ ሓሙሽተ ሚእትን ተስዓን ሓሙሽተን ኦኣመት ገብረ፡ ኣወዳትን ኣዋልድን ድማ ወለደ። 31 - ኩሉ ዕድመ ላሜክ ከኣ ሾብዓተ ሚእትን ሰብዓን ሾብዓተን ዓመት ኮነ። ሞተ ድማ።
32 - ኖህ ክኣ ወዲ ሓሙሽተ ሚእቲ ዓመት ኮነ፡ ኖህ ድማ ንሴምን ንካምን ንያፌትን ወለደ።