ምዕራፍ 1 2 3 4 5 6 7 8 9 10 11 12 13 14 15 16 17 18 19 20 21 22 23 24 25 26 27 28 29 30 31 32 33 34 35 36 37 38 39 40 41 42 43 44 45 46 47 48 49 50
1- ዮሴፍ ኣብ ገጽ ኣቡኡ ወዲቑ ኣብ ልዕሊኡ በኸየ ሰዐሞ ድማ። 2- ዮሴፍ ከኣ ነቶም ፈዋሶ ገላውኡ ነቦኡ ብቕዱይ ቅብኢ ኪለኽይዎ ኣዘዞም። እቶም ፈዋሶ ድማ ብቕዱይ ቅብኢ ለኸይዎ። 3- መዓልታት ምልካይ ከምኡ እየን ዝፍጸማ እሞ ኣርብዓ መዓልቲ መሊኡኩ። ግብጻውያን ድማ ሰብዓ መዓልቲ በኸዩሉ
4- መዓልታት ሓዘን ምስ ሓለፉ ኸኣኣ፡ ዮሴፍ ንቤት ፈርኦን ተዛረቦም በሎም ድማ፡ ኣብ ቅድሜኹም ሞገስ እንተ ደኣ ረኺበስ በጃኹም ንፈርኦን ኣብ እዝኑ ኸምዚ ኢልኩም ንገሩለይ፡ 5- ኣቦይ እንሆ ኣነ እመውት ኣሎኹ። ኣብታ ኣብ ሃገር ከነኣን ንኣይ ኢለ ዝኾዐትክዋ መቓብረይ ኣብኣ ቕበረኒ ኢሉ ኣምሒሉኒ እዩ። ሕጂ ኸኣ ክኸይድ እሞ ነቦይ ቀቢረ ኽምለስ ፍቐደለይ’ 6- ፈርኦን ድማ ደይብ እሞ ከምቲ ዘምሓለካ ነቦኻ ቕበሮ በለ።
7- ዮሴፍ ከኣ ነቦኡ ኪቐብሮ ደየብ። ኩላቶም ገላው ፈርኦንን ዓበይቲ ቤቱን፡ ኩላቶም ዓበይቲ ሀግር ግብጺ ድማ ምስኡ፡ 8- ኩላቶም ስድራ ቤት ዮሴፍን ኣሕዋቱን ስድራ ቤት ኣቡኡን ድማ ደየቡ። ቆልዑኦምን ኣብጊዖምን ኣሓኦምን ጥራይ ኣብ ምድሪ ጎሼን ሓደጉ። 9- ሰረገላታትን ፈረሰኛታት ድማ ምስኡ ደየቡ እሞ ኣዝዩ ብዙሕ ጭፍራ ነበረ። 10- ናብታ ኣብ ማዕዶ ዮርዳኖስ ዘላ ዓውዲ ኣጣድ ከኣ መጹ፡ ኣብኣ ድማ ኣዝዩ ብርቱዕ ብኽያት በኸዩሉ። ነቡኡ ሾብዓተ መዓልቲ መልቀስ ገብረሉ። 11- እቶም ኣብታ ሃገር ዚቕመጡ ከነኣናውያን ድማ ነቲ ኣብ ዓውደ እጣድ ዝኾነ መልቀስ ምስ ረኣዩ፡ እዚ ዓብዩ መልቀስ ግብጻውያን እዩ በሉ። ስለዚ ኸኣ ስማ ኣቤል-ሚስራይም ተባህለት። ንሳ ኣብ ማዕዶ ዮርዳኖስ ዘላ እያ።
12- ደቁ ድማ ከምቲ ዝኣዛዞም ገብረሉ። 13- እቶም ደቁ ኸኣ ጸይሮም ናብ ምድሪ ኸነኣን ወሰድዎ ኣብታ ኣብ መንጽር መምሬ ዘላ ኣብርሃም ርስቲ ንመቓብር ኢሉ ኻብ ዔፍሮን ሔታዊ ምስታ ግራት እተሻየጣ ኣብ በዓቲ ግራት ምክጴላ ቐበርዎ።
14- ዮሴፍ ነቡኡ ምስ ቀበሮ፡ ንሱ ምስ ኣሕዋቱን ምስቶም ናቡኡ ኪቐብሩ ምስኡ ዝደየቡ ኹላቶም ናብ ግብጺ ተመልሰ። 15- ኣሕዋት ዮሴፍ ኣብኦም ከም ዝሞተ ምስ ረአዩ፡ ምናልባሽ ዮሴፍ ይጸልኣና እሞ፡ እቲ ዝገብርናዮ ኹሉ ኽፉእ ከኣ የድዮና በሉ። 16- ንዮሴፍ ድማ ኣቦኻ ቕድሚ ሞቱ ኸምዚ ኢሉ ኣዘዘ፡ ኢሎም ለኣኽሉ፡ 17- ዮሴፍ እቲ ክፉእ ዝገብሩኻ በደል ኣሕዋትካን ሓጢኣቶምን ሕደገሎም ሕድርኻ በልዎ። ሕጂ ኸኣኣ በደል ባሮት ኣምላኽ ኣቦኻ ይቕረ ኽትብል፡ ንልምነካ ኣሎና። ዮሴፍ ከኣ ምስ ተዛረብዎ በኸየ። 18- እቶም ኣሕዋቱ ድማ ከይዶም ኣብ ቅድሚኡ ፍግም ኢሎም ወደቑ፡ እንሆ ንሕና ገላውኻ ኢካ ከኣ በልዎ። 19- ዮሴፍ ድማ ኣይትፍርሁ፡ ኣነዶ ኣብ ክንዲ ኣምላኽ እየ፡ 20- ንስኻትኩም ንኽፉኤይ ሓሰብኩም፡ እግዚኣብሄር ግና፡ ከምቲ ሎሚ ኾይኑ ዝለኦ ኽገብር ብዙሕ ህዝቢ ምእንቲ ኼድሕን ንጽቡቕ ሐአበ። 21- ሕጂ ኸኣ ኣይትፍርሁ። ኣነ ንኣኻትኩም ንቑልዑኹምን ኪቕልበልኩም እየ በሎም። ኣጸናንዖምን ድማ ንልቦምብ ዜሕጉስውን ተዛረቦም።
22- ዮሴፍ ድማ፡ ንሱን ቤት ኣቡኡን ኣብ ግብጺ ተቐመጡ። ዮሴፍ ከኣ ሚእትን ዓሰርተን ዓመት ገይሩ ነብሩ። 23- ዮሴፍ ድማ ንደቂ ኤፍሬም ክሳዕ ሳልሳይ ወለዶ ረአየ። ደቂ ሚኪር ወዲ ምናሴ ኸኣ ኣብ ብርኪ ዮሴፍ ተወልዱ። 24- ዮሴፍ ድማ ነሕዋቱ ኣነ እመውት ኣሎኹ። ኣምላኽ ግና ብሓቂ ኺብጽሓኩም እዩ፡ ካብዛ ምድሪ እዚኣ ኸኣ ናብታ ንኣብርሃምን ንይስሃቅን ንያእቆብን ዝመሓለሎም ምድሪ ኼድይበኩም እዩ። በሎም። 25- ዮሴፍ ድማ ንደቂ እስራኤል ኣምላኽ ብሓቂ ኺበጽሓኩም እዩ እሞ፡ ነዕጽዎተይ ካብዚ ኣደይብዎ፡ ኢሉ ኣምሓሎም። 26- ዮሴፍ ወዲ ሚእትን ዓሰርተን ዓመት ምስ ኮነ ሞተ። ብቕዱይ ቅብኢ ድማ ለኸይዎ ኣብ ሳጹን ገይሮም ከኣ ኣብ ግብጺ ኣንበርዎ።