ምዕራፍ 1 2 3 4 5 6 7 8 9 10 11 12 13 14 15 16 17 18 19 20 21 22 23 24 25 26 27 28 29 30 31 32 33 34 35 36
1- እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴን ንኣሮንን ከምዚ ኢሉ ተዛረቦም፡ 2- ደቂ እስራኤል ነፍሲ ወከፍ ኣብ ጠጥቓ ሰንደቕ ዕላምኡን ኣብ ነናይ መንጽር ድንኳን ምርኻብ ብዙርያኡ ይሰፈሩ።
3- እቶም ኣብ ቅድሚት ብሸነኽ ምብራቕ ዞሰፍሩ፡ ከም ሰራዊቶም ሰንደቕ ዕላማ ሰፈር ይሁዳ ይኹን። ሹም ደቂ ይሁዳ ድማ ነኣሶን ወዲ ኣሚናደብ እዩ። 4- ሰራዊቱን እቶም ቁጹራቶምን ሰብዓን ኣርባዕተን ሽሕን ሹዱሽተ ሚእትን ነበሩ። 5- ምስኡ ገጢሞም ዚሰፍሩ ኸኣ ነገድ ይሳኮር ይኹኑ። ሹም ደቂ ይሳኮር ድማ ናትናኤል ወዲ ጹዓር እዩ። 6- ሰራዊቱን እቶም ቁጹራቱን ሓምሳን ኣርባዕተን ሽሕን ኣርባዕተ ሚእትን ነበሩ። 7- ነገድ ዛብሎን ከኣ፡ ሹም ደቂ ዛብሎን ኤልያብ ወዲ ሔሎን እዩ። 8- ሰራዊቱን እቶም ቁጹራቱን ሓምሳን ሾብዓተን ሽሕን ኣርባዕተ ሚእትን ነበሩ። 9- እቶም ቁጹራት ሰፈር ይሁዳ ኹሎም ከም ሰራዊቶም ሚእትን ሰማንያን ሹዱሽተን ሽሕን ኣርባዕተ ሚእትን ነበሩ። እዚኣቶም ቅድሚት ይጎዐዙ።
10- ሰንደቕ ዕላማ ደፈር ሮቤል፡ ከም ሰራዊቶም ብሸነኽ ደቡብ ይኹን። ሹም ደቂ ሮቤል ከኣ ኤሊጹር ወዲ ሸደውር እዩ፡ 11- ሰራዊቱን እቶም ቁጹራቱን ኣርብዓን ሹዱሽተን ሽሕን ሓሙሽተ ሚእትን ነበሩ። 12- ምስኡ ገጢሞም ዚሰፍሩ ኸኣ ነገድ ስምኦን ይኹኑ፡ ሹም ደቂ ስምኦን ድማ ሹሉሚኤል ወዲ ጹሪሻዳይ እዩ። 13- ሰራዊቱን እቶም ቁጹራቶምን ሓምሳን ትሽዓተን ሽሕን ሰለስተ ሚእትን ነበሩ። 14- ነገድ ጋድ ድማ፡ ሹም ደቂ ጋድ ኤልያሳፍ ወዲ ረዑኤል እዩ። 15- ሰራዊቱን እቶም ቁጹራቶምን ኣርብዓን ሓሙሽተን ሽሕን ሹዱሽተ ሚእትን ሓምሳን ሓደን ሽሕን ኣርባዕተ ሚእትን ሓምሳን ነበሩ። እዚኣቶም ካልኣይ ሰልፊ ኾይኖም ይጎዐዙ።
17- ድሕሪኡ ድማ እቲ ድንኳን ምርኻብ ምስ ሰፈረ ሌዋውያን ኣብ መንጎ እቲ ሰፈራት ይጎዐዝ። ከምቲ ኣሰፋፍራኦም ከምኡ ኸኣ ነፍሲ ወከፍ ኣብ ሰስፍራኡ መምስ ሰንደቕ ዕላምኦም ይጎዐዙ።
18- ሰንደቕ ዕላማ ሰፈር ኤፍሬም ከም ሰራዊቶም ብሸነኽ ምዕራብ ይኹን። ሹም ደቂ ኤፍሬም ድማ ኤሊሻማዕ ወዲ ዓሚሁድ እዩ። 19- ሰራዊቱን እቶም ቁጹራቶምን ኣርብዓ ሽሕን ሓሙሽተ ሚእትን ነበሩ። 20- ምስኡ ገጢሙ ኸኣ ነገድ ምናሴ፡ ሹም ደቂ ምናሴ ድማ ገማልኤል ወዲ ጰዳህጸር እዩ፡ 21- ሰራዊቱን እቶም ቁጹራቱን ሰላሳን ክልተን ሽሕን ክልተ ሚእትን ነበሩ። 22- ድማ ነገድ ብንያም፡ ሹም ደቂ ብንያም ከኣ ኣቢዳን ወዲ ጊደዖኒ እዩ። 23- ሰራዊቱን እቶም ቁጹራቶምን ሰላሳን ሓሙሽተን ሽሕን ኣርባዕተ ሚእትን ነበሩ። 24- እቶም ቁጹራት ሰፈር ኤፍሬም ኩሎም ከም ሰራዊቶም ሚእትን ሾሞንተን ሽሕን ሓደ ሚእትን እዮም። እዚኣቶም ሳልሳይ ሰልፊ ኾይኖም ይጎዐዙ።
25- ሰንደቕ ዕላማ ሰፈር ዳን ከም ሰራዊቶም ብሸነኽ ሰሜን ይኹን። ሹም ደቂ ዳን ኣሒዔዘር ወዲ ዓሚሻዳይ እዩ፡ 26- ሰራዊቱን እቶም ቁጹራቶምን ስሳን ክልተን ሽሕን ሾብዓተ ሚእትን ነበሩ። 27- ምስኡ ገጢሞም ዚሰፍሩ ድማ ነገድ ኣሴር ይኹኑ። ሹም ደቂ ኣሴር ከኣ ጳግዔል ወዲ ዖክራን እዩ፡ 28- ሰራዊቱን እቶም ቁጹራቶምን ኣርብዓን ሓደን ሽሕን ሓሙሽተ ሚእትን ነበሩ። 29- ነገድ ንፍታሌም ድማ፡ ሹም ደቂ ንፍታሌም ኣሒራዕ ወዲ ዔናን እዩ። 30- ሰራዊቱን እቶም ቁጹራቶምን ሓምሳን ሰለስተን ሽሕን ኣርባዕተ ሚእትን ነበሩ። 31- እቶም ቁጹራት ሰፈር ዳን ኩሎም ሚእትን ሓምሳን ሾብዓተን ሽሕን ሹዱሽተ ሚእትን ነበሩ። እዚኣቶም ምስ ሰንደቕ ዕላምኦም ደጀን ኮይኖም ይጎዐዙ።
32- እቶም ካብ ደቂ እስራኤል በብማይ ቤት ኣቦታቶም እተቖጽሩ እዚኣቶም እዮም። እቶም ኣብ ሰፈር በብስራዊቶም እተቖጽሩ ኹሎም ሹዱሽተ ሚእትን ሰለስተ ሽሕን ሓሙሽተ ሚእትን ሓምሳን እዮም። 33- ሌዋውያን ግና ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ፡ ኣብ መንጎ ደቂ እስራኤል ኣይተቖጽሩን።