ምዕራፍ 1 2 3 4 5 6 7 8 9 10 11 12 13 14 15 16 17 18 19 20 21 22 23 24 25 26 27 28 29 30 31 32 33 34 35 36
1- ብሳብዐይቲ ወርሒ፡ ኣብታ ወርሒ ኸአ በታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ቅዱስ ኣኼባ ይኹነልኩም። ገለ ዕዮ ኣገልግሎት ኣይትዕየዩ። ንሳ መዓልቲ ቓና መለኸት ትኹነልኩም። 2- ሽዑ ንእግዚኣብሄር ንጥዑም ጨና ዚሐርር መስዋእቲ፡ ሓደ ዝራብዕ፡ ሓደ ድዑል ፡ ጎድለኦ ዜብሎም ሾብዓተ ገንሸል ዓመት፡ 3- ናይ ብልዒ መስዋእቶም ከአ ብዘይቲ እተቖምጥዔ ድኹም ሓርጭ፡ ነቲ ዝራብዕ ሰለስተ ዓስራይ ኣፍ፡ ነቲ ድዑል ድማ ክልተ ዓስራይ ኣፍ፡ 4- ነቶም ሾብዓተ ገንሸል ከአ ነንገንሸል ሓደ ዓስራይ ኣፍ፡ 5- ንመስዋእቲ ሓጢኣት ከአ ንምትዕራቕኩም ሓድ ድቤላ፡ 6- እዚ ብጀካ ኣቲ ናይ መጀመርታ ወርሒ ዚሐርር መስዋእትን ምስ ናይ ብልዒ መስዋእቱን እቲ ናይ ወርትግ ዚሐርር መስዋኣትን ናይ ብልዒ መስዋእቱን ናይ መስተ መስዋእቶምን እዚ ንእግዚኣብሄር ንጥዑም ጨና መስዋእቲ ሓዊ እዩ።
7- ካብዛ ሳብዐይቲ ወርሒ እዚኣ ኣብ ዓስረይቲ መዓልቲ ኸአ ቅዱስ ኣኼባ ይኹነልኩም። ነፍስኹም ከአ ኣዋርዱ። ገለ ዕዮ ኣይትዕየዩ። 8- ንእግዚኣብሄር ንጥዑም ጨና ዚሐርር መስዋእቲ፡ ሓደ ዝራብዕ፡ ሓደ ድዑል፡ ሾብዓተ ገንሸል ዓመት ኣቕርቡ፡ ጎደሎ ዜብሎም ከኣ ይኹነልኩም። 9- ናይ ብልዒ መስዋእቶም ድማ ብዘይቲ እተቖምጥዔ ድኹም ሓርጭ፡ ነቲ ዝራብዕ ሰለስተ ዓስራይ ኣፍ፡ ነቲ ድዑል ከአ ክልተ ዓስራይ ኣፍ፡ 10- ነቶም ሾብዓተ ገንሸል ነንገሽል ዓስራይ ኣፍ፡ 11- ንመስዋእቲ ሓጢኣት ሓደ ድቤላ፡ እዚ ብጀካ እቲ ንመተዓረቒ ዚኸውን መስዋእቲ ሓጢኣትን ናይ ወርትግ ዚሐርር መስዋእትን ምስ ናይ ብልዒ መስዋእቱን ናይ መስተ መስዋእቶምን ኣቕርቡ።
12- ኣብታ ሳብዐይቲ ወርሒ ኣብ መበል ዓሰርተው ሓሙሽተ መዓልቲ ቅዱስ ኣኼባ ይኹነልኩም፡ ገለ ዕዮ ኣገልግሎት ኣይትዕየዩ፡ ሾብዓተ መዓልቲ ንእግዚኣብሄር በዓል ኣብዕሉ። 13- ንእግዚኣብሄር ንጥዑም ጨና ዚሓርር መስዋእቲ፡ መስዋእቲ ሓዊ፡ ኣቕርቡ፡ ዓሰርተው ኣርባዕተ ገንሸል ዓመት ኣቕርቡ፡ ጎደሎ ዜብሎም ከአ ይኹኑ። 14- ናይ ብልዒ መስዋእቶም ከአ ብዘይቲ እተቖምጥዔ ድኹም ሓርጭ፡ ነቶም ክልተ ድዑል ድማ ነንሓደ ድዑል ክልተ ዓስራይ ኣፍ፡ 15- ነቶም ዓሰርተው ኣርባዕተ ገንሸል ከአ ነንሓደ ገንሸል ዓስራይ ኣፍ፡ 16- ንመስዋእቲ ሓጢኣት ድማ ሓደ ድቤላ፡ እዚ ብጀካ እቲ ናይ ወርርትግ ዚሐርር መስዋእቱ፡ ምስቲ ናይ ብልዒ መስዋእቱን ናይ መስተ መስዋእቱን ጌርኩም ኣቕርቡ።
17- ኣብቲ ኻልኣይቲ መዓልቲ ድማ፡ ዓስርተው ክልተ ዝራብዕ፡ ክልተ ድዑል፡ ጎደሎ ዜብሎም ዓሰርተው ኣርባዕተ ገንሸል ዓመት ኣቕርቡ፡ 18- ምስቲ ናይ ብልዒ መስዋእቶምን ናይ መስተ መስዋእቶምን ነቶም ዝርብዓትን ደዓውልን ገንሸልን ከምቲ ቖጸሮም፡ ከምቲ እተሰርዔ፡ 19- ንመስዋእቲ ሓጢአት ከአ ሓደ ድቤላ፡ እዚ ብጀካ እቲ ናይ ወርትግ ዚሐርር መስዋእቲ፡ ምስ ናይ ብልዒ መስዋእቱን ናይ መስተ መስዋእቶምን ኣቕርቡ።
20- በታ ሳልሰይቲ መዓልቲ ድማ ዓሰርተው ሓደ ዝራብዕ።ክልተ ድዑል፡ ጎደሎ ዜብሎም ዓሰርተው ኣርባዕተ ገንሸል ዓመት፡ 21- ድማ እቲ ናይ ብልዒ መስዋእቶምን ናይ መስተ መስዋእቶምን ነቶም ዝራብዓትን ደዓውልን ገንሸልን፡ ከምቲ ቖጸሮም፡ ከምቲ እተሰርዔ፡ 22- ንመስዋእቲ ሓጢኣት ከአ ሓደ ድቤላ፡ እዚ ብጀካ እቲ ናይ ወርትግ ዚሐርር መስዋእቲ ምስ ናይ ብልዒ መስዋእቱን ናይ መስተ መስዋእቱን።
23- በታ ራብዐይቲ መዓልቲ ድማ ዓሰርተ ዝራብዕ፡ ክልተ ድዑል፡ ጎደሎ ዜብሎም ዓስርተው ኣርባዕተ ገንሸል ዓመት፡ 24- ድማ እቲ ናይ ብልዒ መስዋእቶምን ናይ መስተ መስዋእቶምን፡ ነቶም ዝራብዓትን ደዓውልን ገንሸልን፡ ከምቲ ቖጽሮም፡ ከምቲ እተሰርዔ፡ 25- ንመስዋእቲ ሓጢኣት ከአ ሓደ ድቤላ፡ እዚ ብጀካ እቲ ናይ ወርትግ ዚሓርር መስዋእቲ ናይ ብልዒ መስዋእቱን ናይ መስተ መስዋእቱን።
26- በታ ሓምሰይቲ መዓልቲ ድማ ትሽዓተ ዝራብዕ፡ ክልተ ድዑል፡ ጎደሎ ዜብሎም ዓሰርተው ኣርባዕተ ገንሸል ዓመት። 27- ድማ እቲ ናይ ብልዒ መስዋእቶምን ናይ መስተ መስዋእቶምን ነቶም ዝራብዓትን ደዓውልን ገንሸልን፡ ከምቲ ቖጽሮም፡ ከምቲ እተሰርዔ፡ 28- ንመስዋእቲ ሓጢአት ከአ ሓደ ድቤላ፡ እዚ ብጀካ እቲ ናይ ወርትግ ዚሐርር መስዋእቲ፡ ምስ ናይ ብልዒ መስዋእቱን ናይ መስተ መስዋእቱን።
29- በቲ ሳድሰይቲ መዓልቲ ድማ ሾሞንተ ዝራብዕ፡ ክልተ ድዑል፡ ጎደሎ ዜብሎም ዓሰርተው ኣርባዕተ ገንሸል ዓመት፡ 30- ድማ እቲ ናይ ብልዒ መስዋእቶምን ናይ መስተ መስዋእቶምን፡ ነቶም ዝራብዓትን ደዓውልን ገንሸልን፡ ከምቲ ቒጸሮም፡ ከምቲ እተሰርዔ፡ 31- ንመስዋእቲ ሓጢኣት ከአ ሓደ ድቤላ፡ እዚ ብጀካ እቲ ናይ ወርትግ ዚሐርር መስዋእቲ፡ ብልዒ መስዋእቱን ናይ መስተ መስዋእቱን።
32- በታ ሳብዐይቲ መዓልቲ ድማ ሾብዓተ ዝራብዕ፡ ክልተ ድዑል፡ ጎደሎ ዜብሎም ዓሰርተው ኣርባዕተ ገንሸል ዓመት፡ 33- ድማ እቲ ናይ ብልዒ መስዋእቶምን ናይ መስተ መስዋእቶምን፡ ነቶም ዝራብዓትን ደዓውልን ገንሸልን፡ ከምቲ ቑጽሮም፡ ከምቲ እተሰርዔ፡ 34- ንመስዋእቲ ሓጢኣት ከአ ሓደ ድቤላ፡ እዚ ብጀካ እቲ ናይ ወርትግ ዚሐርር መስዋእቲ ናይ ብልዒ መስዋእቱን ናይ መስተ መስዋእቱን።
35- በታ ሳምነይቲ መዓልቲ ክቡር ኣኼባ ይኹነልኩም፡ ኩሉ ዕዮ ኣገልግሎት ኣይትዕየዩ። 36- ንእግዚኣብሄር ጥዑም ጨና ዚሓርር መስዋእቲ፡ መስዋእቲ ሓዊ ኣቕርቡ፡ ሓደ ዝራብዕ፡ ሓደ ድዑል፡ ጎደሎ ዜብሎም ሾብዓተ ገንሸል ዓመት፡ 37- እቲ ናይ ብልዒ መስዋእቶምን ናይ መስተ መስዋእቶምን ነቲ ዝራብዕን ነቲ ድዑልን ንገሸልን፡ ከምቲ ቑጽሮም፡ ከምቲ ኣተሰርዔ፡ 38- ንመስዋእቲ ሓጢአት ከአ ሓደ ድቤላ፡ እዚ ብጀካ እቲ ናይ ወርትግ ዚሐርር መስዋእቲ ናይ ብልዒ መስዋእቱን ናይ መስተ መስዋእቱን።
39- እዚ ብጀካ እቲ መብጽዓኹምን ናይ ፍቓድ መስዋእትኹምን ንዚሐርር መስዋእትኹም ኮነ ወይ ናይ ብልዒ መስዋእትኹም ወይ ናይ መስተ መስዋእትኹም ወይ ናይ ምስጋና መስዋእትኹም በቶም ዓበይቲ በዓልት ንእግዚኣብሄር ከተቕርቡ ኢኹም።