ምዕራፍ 1 2 3 4 5 6 7 8 9 10 11 12 13 14 15 16 17 18 19 20 21 22 23 24 25 26 27 28 29 30 31 32 33 34 35 36
1- ካብ ምድሪ ግብጺ ኻብ ዚወጹ፡ ኣብ ካልኣይቲ ዓመቶም ኣብታ ቐዳመይቲ ወርሒ ድማ እግዚኣብሄር ኣብ በረኻ ሲና ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፡ 2- ደቂ እስራኤል በቲ ምዱብ ጊዚኡ ፋስጋ የብዕሉ። 3- ኣብዛ ወርሒ እዚኣ ኣብ መበል ዓሰርተው ኣርባዕተ መዓልቲ፡ በቲ ምዱብ ጊዚኡ፡ ኪመሲ ኸሎ ኣብዕልዎ። ከም ኩሉ ሕጋጋቱን ከም ኩሉ ስርዓቱን ጌርኩም ኣብልዕዎ።
4- ሙሴ ኸአ ንደቂ እስራኤል ፋስጋ ኼብዕሉ ተዛረቦም። 5- ንሳቶም ድማ ኣብታ ቐዳመይቲ ወርሒ፡ ካብታ ወርሒ ኸአ ኣብ መበል ዓሰርተው ኣርባዕተ መዓልቲ፡ ኪመሲ ኸሎ ኣብ በረኻ ሲና ፋሲጋ ኣብዐሉ። ደቂ እስራኤል ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝአዘዞ ኹሉ፡ ከምኡ ገበሩ።
6- ድማ ብምውት ሰብ ዝረኸሱ፡ በታ መዓልቲ እቲኣ ፋሲጋ ኼብዕሉ ዘይከአሉ ሰባት ነበሩ፡ ንሳቶም ከአ በታ መዓልቲ እቲኣ ኣብ ቅድሚ ሙሴን ኣብ ቅድሚ ኣሮንን ቀረቡ። 7- ቕቶም ሰባት እቲኦም ድማ፡ ንሕና ብምውት ሰብ ረኺስና ኢና እሞ፡ በታ ምድብቲ ጊዜ መባእ እግዚኣብሄር ኣብ መንጎ እስራኤል ከይነቕርብ እተኸልከልና ስለምንታይ እዩ፡ በልዎ። 8- ሙሴ ኸአ፡ እግዚኣብሄር ብዛዕባኹም ዚእዝዞ ኸሰምዕሲ ደው ኢልኩም ጽንሑ በሎም።
9- እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፡ 10- ንደቂ እስራኤል ከምዚ ኢልካ ተዛረቦም፡ ዝኾነ ሰብ ካባኻትኩም ወይ ካብ ወለዶኹም ብምውት እንተ ረኸሰ ወይ ኣብ ርሑቕ መገዲ እንተሎ፡ ንእግዚኣብሄር ፋሲጋ የብዕል። 11- ንሱ ኣብታ ኻልእይቲ ወርሒ፡ ኣብ መበል ዓሰርተው ኣርባዕተ መዓልቲ ኽመሲ ኸሎ የብዕሊ፡ ምስ ቅጫን መሪር ሓምልን ይብልዕዎ። 12- ካብኡ ገለ ኽሳዕ ጽባሕ ኣይሕደጎ፡ ዓጽሙ ኸአ ኣይስበሩ። ከም ኩሉ ሕጊ ፋሲጋ ይግበርዎ። 13- ዝኾነ ሰብ፡ ንጹህ ክነሱ፡ ኣብ መገዲውን ዘይኮነ፡ ፋስጋ ዘየብዐለ፡ መባእ እግዚኣብሄር በቲ ምዱብ ጊዚኡ ስለ ዘየቕረበ፡ እታ ነፍሲ እቲኣ ኻብ ህዝባ ትመንቆስ። እቲ ሰብ እቲ ሓጢኣቱ ይጸውር። 14- ጓና ምሳኻትኩም ዚነብር እንተሎ፡ ፋሲጋ ንእግዚኣብሄር ኬብዕል እንተ ደለየ፡ ከምቲ ናይ ፋሲጋ ሕግና ስርዓትን ይግበር። ንጓናን ንወዲ ዓድን ሓደ ሕጊ ይኹነልኩም።