ምዕራፍ 1 2 3 4 5 6 7 8 9 10 11 12 13 14 15 16 17 18 19 20 21 22 23 24 25 26 27 28 29 30 31 32 33 34 35 36 37 38 39 40
1- እቶም ናብ ግብጺ ዝመጹ ደቂ እስራኤል ስሞም እዚ እዩ፡ ነፍሲ ወከፍ መምስ ቤተ ሰቡ ምስ ያእቆብ መጸ። 2- ሮቤል፡ ስምኦን ሌውን ይሁዳን፡ 3- ይሳኮር ዛብሎን፡ ብንያም ድማ፡ 4- ዳንን ንፍታሌምን ጋድን ኣሴርን። 5- ካብ ሕቖ ያእቆብ ዝወጹ ኹላቶም ሰብዓ ነፍሲ ነብሩ። ዮሴፍ ድማ ኣብ ግብጺ ነበረ። 6- ዮሴፍን ኩሎም ኣሕዋቱን እቲ ወለዶ ኹሉ ኸኣ ሞቱ። 7- ደቂ እስራኤል ተፋረዩ፡ ሰሰቡ በዝሑ ድማ። ኣዝዮም ከኣ በርትዑ፡ እታ ሃገርውን ብእኦም መልኤት።
8- ኣብ ግብጺ ኸኣ ንዮሴፍ ዘይፈልጥ ሓድሽ ንጉስ ተንስኤ። 9- ንሱ ድማ ንህዝቡ እንሆ ህዝቢ ደቂ እስራኤል ካባና በዝሑን በርትዑን፡ 10- እምበኣርከ ኸይበዝሑ እሞ ውግእ ምስ ዝለዐለና ንሳቶም ድማ ምስ ጸላእትና ሓቢሮም ከይዋግኡና ኻብዛ ሃገርውን ከይወጹ ንዑ ንጣበብሎም በሎም። 11- ብብርቱዕ ዕዮ ምእንቲ ኼጽብበሎም ከኣ ኣዘዝቲ ሸሙሎም። ንፈርኦን ድማ ጴቶምን ራዕምሴስን ከተማታት ሪቕ ሰርሑሉ። 12- ብመጠን እቲ ዘጽበብሎም ግና ኽንዳኡ ሰሰኑ፡ ክንዳኡ ኸኣ ተዘርግሑ እሞ፡ ብደቂ እስራኤል ይጭነቑ ነበሩ። 13- ግብጻውያን ንደቂ እስራኤል ብጭከና ኣዐየይዎም። 14- ንህይወትም ድማ ብብርቱዕ ዕዮ፡ በባዕጥን ብጡብን ብኹሉ ዕዮ መሮርን በቲ ኹሉ ዜዕይይዎም ዕዮ ብምጭካን ኣመረርዎም።
15- ንጉስ ግብጺ ድማ ነተን መሕረስቲ እብራውያን፡ ኣታ ሓንቲ ሺፍራ ዝስማ፡ እታ ኻልኣይቲ ኸኣ ጲዓ ዝስማ፡ ተዛረበን፡ 16- ነተን ኣንስቲ እብራውያን ከተሕርሳኤን ከሎኻን፡ ኣብቲ ዘሓርሳሉ ርኣያ፡ ወዲ እንተ ኾነ ቅተላኦ፡ ጓል እንተ ኾይና ግን ብህይወት ትንበር። 17- እተን መሕረስቲ ግና ንኣምላኽ ፈርሄን፡ ነቶም እተወልዱ ብህይወት ሓደጋኦም እምበር፡ ከምቲ ንጉስ ግብጺ ዝበለን ኣይገብራን። 18- ሽዑ ንጉስ ነተን መሕረስቲ ጸዊዑ ነቶም እተወልዱ ብህይወት እተሓድጋኦምሲ፡ ስለምንታይ ከምዚ ገብርክን በለን። 19- እተን መሕረስቲ ኸኣ ንፈርኦን እተን እብራውያን ከም ኣንስቲ ግብጻውያን ኣይኮናን። ንሳተን ሓያላት እየን እሞ እታ መሕረሲት ከይመጸተን ሓሪሰን ይጸንሓ በለኣኦ። 20- ኣምላኽ ድማ ነተን መሕረስቲ ጽቡቕ ገብረለን። እቲ ህዝቢውን በዝሔ፡ ኣዝዩ ኸኣ በርትዔ።
21- ኮነ ድማ፡ እተን መሕረስቲ ንኣምላኽ ስለዝፈርሃ፡ ኣባይቲ ገብረለን። 22- ሽዑ ፈርኦን ንኹሉ ህዝቡ እተወልደ ወዲ ዘበለ ናብ ርባ ደርብይዎ፡ ኩለን ኣዋልድ ግና ብህይወት ሕደግወን ኢሉ ኣዘዘ።