ምዕራፍ 1 2 3 4 5 6 7 8 9 10 11 12 13 14 15 16 17 18 19 20 21 22 23 24 25 26 27 28 29 30 31 32 33 34 35 36 37 38 39 40
1- ሓደ ሰብኣይ ከኣ ካብ ቤት ሌዊ ኸይዱ ጓል ሌዊ ኣእተወ። 2- እታ ሰበይቲ ድማ ጠነሰት፡ ወዲውን ወለደት። ንሱ ጽቡቕ ቆልዓ ምዃኑ ምስ ረኣየት ከኣኣ፡ ስለስተ ወርሒ ሓብኣቶ። 3- ደጊም ምሕባኡ ምስ ሰኣነት፡ ሳጹን ሻምብቆ ወሲዳ ብቕጥራንን ብዝፍትን ለቕለቐቶ፡ ነቲ ቖልዓ ናብኡ ኣእይታ ድማ፡ ኣብ ገምገም ርባ ኣብ ሰልሰላ ኣንበረቶ። 4- ሓብቱ ድማ እንታይ ከም ዝረኽቦ ኽትፈልጥ፡ ርሕቕ ኢላ ደው በለት። 5- ጓል ፈርኦን ከኣ ክትሕጸብ ናብ ርባ ወረደት፡ እተን ኣግራዳ ድማ ገምገመገምገም እቲ ርባ ይዛወራ ነበራ። ኣብ ማእከል ሰልሰላ ሳጹን ረኣየት እሞ፡ ገረዳ ሰዲዳ ኣምጽኣቶ። 6- ከፊታ ድማ ነቲ ሕጻን ረኣየቶ፡ እንሆ ኸኣ፡ እቲ ቖልዓ ይበኪ ነበረ። ደንጊጻትሉ ድማ እዚ ኻብ እብራውያን እዩ በለት። 7- ሽዑ እታ ሓብቱ ጓል ፈራኦን፡ ካብተን ኣብራውያን ኣንስቲ ነዚ ሕጻንዚ እተጥብወልኪ መጉዚትዶ ኸጽውዓልኪ ክኸይድ በለታ። 8- ጓል ፈርኦን ከኣ ኪዲ በለታ። እታ ጓል ድማ ከደት፡ ነደ እቲ ሕጻን ከኣ ጸውዓታ። 9- ጓል ፈርኦን ድማ፡ ነዚ ሕጻንዚ ወሲድኪ እትብውለይ ኣነ ኸኣ ዓስብኺ ክህበኪ እየ በለታ። እታ ሰበይቲ ድማ ነቲ ሕጻን ወሲዳ ኣጥበወቶ። 10- እቲ ሕጻን ከኣ ዐበየ፡ ናብ ጓል ፈርኦንውን ኣምጽኣቶ። ወዳ ድማ ኾነ። ካብ ማይ ኣውጺኤዮ እየ፡ ኢላ ሙሴ ኣውጽኣትሉ።
11- ኮነ ድማ፡ በተን መዓልትታት እቲኤን ሙሴ ምስ ዐበየ፡ ናብ ኣሕዋቱ ወጺኡ፡ ነቲ ብርቱዕ ጻዕሮም ረአየ። ግብጻዊ ሰብኣይ ድማ ንእብራዊ ሰብኣይ፡ ካብቶም ኣሕዋቱ ኪወቕዖ ረአየ። 12- ናብዝን ናብትን ግልጽ ኢሉ፡ ሰብ ከም ዜልቦ ረአየ፡ ነቲ ግብጻዊ ቐቲሉ ኣብ ሑጻ ሓብኦ። 13- በታ ኻልኣይቲ መዓልቲ ድማ ወጸ፡ እንሆ ክልተ እብራውያን ሰብኡት ኪበኣሱ ረአየ። ነቲ ዝዐመጸ፡ ከምይ ንብጻይካ እትወቕዖ፡ በሎ። 14- ንሱ ድማ መን መስፍንን ፈራድን ገይሩ ኣብ ልዕሌና ሸመካ፡ ንስኻ ነቲ ግብጻዊ ኸም ዝቐተልካዮ ክትቀትለኒዶ ትደሊ ኣሎኻ፡ በለ። ሽዑ ሙሴ ፈርሄ፡ እዚ ነግርዚ ብርግጽ ተፈሊጡ እዩ፡ ድማ በለ። 15- ፈርኦን ከኣ እዚ ነገርዚ ሰሚዑ ንሙሴ ኪቐትሎ ደለየ። ሙሴ ግና ካብ ቅድሚ ፈርኦን ሀደመ፡ ኣብ ምድሪ ሚድያን ድማ ተቐመጠ፡ ኣብ ጥቓ ዔላ ኸኣ ኮፍ በለ።
16- ካህን ሚድያን ድማ ሾብዓተ ኣዋልድ ነበራኦ። ንሳተን መጺኤን ነባጊዕ ኣቦኤን ኬስትያ፡ ማይ ቀዲሔን ነቲ ጋብላታት መልኣኦ። 17- ጓሶት ዳ መጺኦም ሰጎጉወን፡ ሙሴ ግና ተንሲኡ ረድኤን፡ ኣባጊዔን ድማ ኣስተየ። 18- ናብ እቡኤን ራጉኤል ምስ መጻ ኸኣ፡ ንሱ ሎሚ ኸመይ ኢልክን ቀልጢፍክን መጺእክን፡ በለን። 19- ንሳተን ድማ፡ ሓደ ግብጻዊ ሰብኣይ ካብ ኢድ እቶም ጓሶት ኣድሐነና፡ ማይ ቀዲሑ ኸኣ ነባጊዕና ኣስተየና በለኦ። 20- ኣዋልዱ ድማ ኣበይ ደኣ ኣሎ። ስለምንታይከ ነቲ ሰብቲ ሐደግክንኦ፡ እንጌራ ኺበልዕ ጸውዓኦ በለን። 21- ሙሴ ድማ ምስቲ ሰብኣይ ኪነብር ፈተወ። ንሱ ኸኣ ጺጶራ ጓሉ ንሙሴ ሀቦ። 22- ወዲ ድማ ወለደት እሞ ኣነ ኣብ ምድሪ ጓና ስደተኛ እየ ኢሉ ስሙ ጌርሾም ኣውጽኣሉ።
23- ኮነ ድማ፡ ድሕሪ ብዙሕ መዓልቲ ንጉሰ ግብጺ ሞተ። ደቂ እስራኤል ከኣ ካብ ባርነቶም እተላዕለ እህህ በሉ፡ ጨርሑ ድማ፡ እቲ ኣውያቶም ብዛዕባ ባርነቶም ከኣ ናብ ኣምላኽ ደየበ። 24- ኣምላኽ ድማ ቁዝማኡም ሰምኤ፡ ኣምላኽ ከኣ ነቲ ምስ ኣምርሃምን ምስ ይስሃቅን ምስ ያእቆብን ዝኣተዎ ኺዳን ዘከረ። 25- ኣምላኽ ድማ ናብ ደቂ እስራኤል ረአየ፡ ኣምላኽ ከኣ ህልዋቶም ፈለጠ።