ምዕራፍ 1 2 3 4 5 6 7 8 9 10 11 12 13 14 15 16 17 18 19 20 21 22 23 24 25 26 27
1- እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ። 2- ብዘሎ ኣኼባ ደቂ እስራኤል ተዛረቡ በሎም ድማ፡ ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ቅዱስ እየ እሞ፡ ንስኻትኩም ከኣ ቅዱሳት ኩኑ። 3- ነፍስ ወከፍኩም ኣዲኡን ኣቡኡን ይፍራህ። ሰናብተይ ሐልው። ኣነ ኣግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እየ። 4- ናብ ጣኦታት ኣይትመለሱ፡ ኣማልኽቲ ፍሲ ኣይትግበሩ። ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እየ።
5- ንእግዚኣብሄር መስዋእቲ ምስጋና ምስ እትስውኡ፡ ባህ ከም ዜብሎ ጌርኩም ሰውኡ። 6- በታ እትስውኡላ መዓልትን ንጽባሒታን ይበላዕ። እቲ ኽሳዕ ሳልሰይቲ መዕላቲ ዝተረፈ ግና ብሓዊ ይንደድ። 7- ኣብ ሳልሰይቲ መዓልቲ እንተ ተበልዔ፡ ፍንፋን ኣዩ፡ ኣይቅቡልን ኣዩ። 8- እቲ ዝበልዖ ድማ፡ እቲ ንእግዚኣብሄር እተቐደሰ ኣርኪሱ እዩ እሞ፡ ክፍኣቱ ይጸውር፡ እታ ነፍሲ እቲኣ ኸኣ ካብ ህዝባ ክትምንቆስ እያ።
9- ዓጺድ ምድርኹም ምስ እትዐጽዱ፡ ነቲ ደረት ግራትካ ፈጺምካ ኣይትዕጸዶ፡ ነቲ ቀሪም ዐጺድካውን ኣይትረእዮ። 10- ንወይንኻ ድማ ኣይተዋሕዮ፡ ነቲ ኣብ ወይንኻ ዝወደቐ ፍረ ኸኣ ኣይተርእዮ፡ ንድኻን ንስደተኛን ደኣ ሕደጎ። ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እየ።
11- ኣይትስረቑን ኣይትጠብሩን፡ ሓደ እኳ ንብጻዩ ኣይትሓስው። 12- ንስም ኣምላኽካ ኸይተርክስ፡ ብስመይ ብሓሶም ኣይትምሓሉ። ኣነ እግዚኣብሄር እየ። 13- ንብጻይካ ኣይጽቀጦን ኣይትዘርፎን፡ ወይ ውዕለት ወዓልት ክሳዕ ብጊሓት ምሳኽ ኣይሕደር። 14- ንጸማም ኣይትርገሞ፡ ኣብ ቅድሚ ዕውር ድማ መዓንቀፊ ኣይተንብር፡ ንኣምላኽካ ደኣ ፍራህ። ኣነ እግዚኣብሄር እየ። 15- ብፍርዲ ኣይተዐምጹ፡ ንድኻ ገጹ ርኢኻ ኣይተዳልዎ፡ ነቲ ስልጡን ድማ ገጽ ርኢኻ ኣይተኽብሮ፡ ንብጻይካ ግና ብቕንዕና ፍረድ። 17- ክትሓሚ ኢልካ ኣብ ህዝብኻ ኣይትዙር፡ ናብ ደም ብጻይካ ኣይትለዐል። ኣነ እግዚኣብሄር እየ። 17- ንሓውካ ብልብኻ ኣይትጽልኣዮ ንብጻይካስ፡ ብዛዕባእ ሓጢኣት ከይትጸውር፡ ኣጺብቕካ ግንሓዮ። 18- ንደቂ ህዝብኻ ሕነ ኣይትፍደየን ኣይትቀየምን፡ ንብጻይካስ ከም ርእስኻ ደኣ ፍተዎ። ኣነ እግዚኣብሄር እየ።
19- ሕጋጋተይ ሓልው፡ ምልካ ምስ ካልእ ዓይንት ኣይተታሉ፡ ንግራትካ ኽልተ ዓይነት ዘርኢ ኣይትዝርኣያ፡ ካብ ክልተ ዓይነት እተሐወሰ ዓለባ ኣይትከደን።
20- ሰባኣይ ምስ ሓንቲ ብዋጋ ሓራ ዘይወጸት፡ ሓራ ድማ ዝይተዋህባ፡ ባርያ ኽነሳ ንሓደ ሰብኣይ እተሓጽየት ሰበይቲ ደቂሱ ኣንተ ተራኸባ፡ ንሳ ሓራ ስለ ዘይወጸት ግና ይቀጽዑ ደኣ እምበር፡ ኣይሙቱ፡ 21- ንሱ ድማ ንመስዋእቲ በደሉ፡ ድዑል መስዋእቲ በደል ናብ እግዚኣብሄር ናብ ኣፍ ድንኳን ምርኻብ የምጽእ። 22- ስለ እቲ ዝገብሮ ሓጢኣቱ ኸኣኣ እቲ ኻህን በቲ ድዑል መስዋእቲ በደል ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር የተዐርቆ፡ እቲ ዝገብሮ ሓጢኣቱ ድማ ይሕደገሉ።
23- ናብታ ምድሪ ምስ ኣቶኹም ኩሉ ዓይነት ዚብላዕ ኦም ምስ ተኸልኩም፡ ነቲ ፍርኤ ኸም ዝይትገብረ ርአይዎ። ሰለስተ ዓመት ከም ዘይተገዝረ ርኣይዎ። ሰለስተ ዓመት ከም ዘይተገዝረ ይኹንኩም፡ ኣይብላዕ ድማ። 24- ኣብታ ራብዐይቲ ዓመት ድማ ብዘሎ ፍሬኡ ንምስጋና እግዚኣብሄር ይቀደስ። 25- ኣብዚሑ ኽፈርየልኩምሲ፡ ኣብ ሓምሰይቲ ዓመት ፍሬኡ ብልዑ። ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እየ።
26- ምስናይ ደም ገለ እኳ ኣይትብልዑ። ኣይትጠንቁሉን ኣይተማርቱን። 27- ወሰነ ወሰን ጸጉሪ ርእስኹም ኣይትቑረጹ፡ ወሰነ ወሰን ጭሕምኩም ኣይትቑረጹ። 28- ብዛዕባ ምውት ኣብ ስጋኹም ቅርጺ ኣይትግበሩ፡ ጽሕፈት ማሕተም ድማ ኣባኹም ኣይትግበሩ። ኣነ እግዚኣብሄር እየ። 29- እታ ሃገር ከይትምንዝር፡ እታ ሃገር ድማ ብርኽሰት ከይትመልእ፡ ንጓልካ ኣመንዝራ ጌርካ ኣይተርክሳ። 30- ሰናብተይ ሓልው፡ መቕደሰይ ከኣ ፍርሁ። ኣነ እግዚኣብሄር እየ። 31- ናብ መንፈስ ጥንቆላ ዘለዎምን ናብ መውደቕቲ ዛዕጎልን ኣይትመለሱ፡ ብእኦም ከይትረኽሱ ኣይትድለይዎም። ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እየ።
32- ኣብ ቅድሚ ሽያብ ተንስእ፡ ንገጽ ኣረጋዊ ድማ ኣኽብር፡ ንኣምላኽካውን ፍርሃዮ። ኣነ እግዚኣብሄር እየ።
33- ጓና ምሳኻትኩም ኣብ ሃገርኩም እንተ ተቐመጠ ድማ ኣይትግፍዕዎ። 34- ንስኻትኩምውን ኣብ ምድሪ ግብጺ ጓኖት ኔርኩም ኢኹም እሞ፡ እቲ ምሳኻትኩም ዚነብር ጓና ኣባኻትኩም ከም ወዲ ዓዲ ይኹን፡ ከም ነፍስኻ ኸኣ ፍተዎ። ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እየ። 35- ብፍርዲ ኮነ፡ ብመለክዒ እመት ኮነ፡ ብሚዛን ኮነ፡ ብምሰ ኾነ፡ ኣይትዐምጹ። 36- ቅኑዕ ሚዛን፡ ቅኑዕ መምዘኒ፡ ቅኑዕ ኤፋ፡ ቅኑዕ ሂን ድማ ይሀሉኹም። ካብ ምድሪ ግብጺ ዘውጻእኩኹም ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ። 37- እምብኣርሲ ኹሉ ሕጋጋተይን ኩሉ ፍርድታተይን ሓልው ግበርዎ ኸኣ፡ ኣነ እግዚኣብሄር እየ።