ምዕራፍ 1 2 3 4 5 6 7 8 9 10 11 12 13 14 15 16 17 18 19 20 21 22 23 24 25 26 27
1- ሓደ ንእግዚኣብሄር መስዋእቲ ብልዒ ምስ ዜቕርብ፡ ኣቲ መስዋእቱ ኻብ ድኽም ሓርጭ ይኹን፡ ዘይቲ ይኽዐወሉ፡ ዕጣንውን ይግበረሉ። 2- ናብ ካህናት፡ ደቂ ኣሮን፡ የምጽኣዮ፡ እቲ ኻህን ድማ ካብቲ ድኹም ሓርጩን ካብቲ ዘይቱን ምሉእ ኢድ ወሲዱ፡ ምስ ኩሉ እቲ ዕጣኑ ገይሩ ንመዘከርታኡ ኣብ መሰውኢ የሕርሮ፡ ምስዋእቲ ሓዊ ንእግዚኣብሄር ጥዑም ጨና እዩ። 3- ኣቲ ኻብ መስዋእቲ ብልዒ ዝተረፈ ንኣሮንን ንደቁን ይኹን። እዚ ኻብቲ ንእግዚኣብሄር ብሓዊ እተሰውኤ ቅዱስ ቅዱሳን እዩ።
4- መሰዋእቲ ብልዒ ኣብ ኣቶን ካብ ሰንከተ ምስ እተቕርብ ድማ፡ ካብ ድኹም ሓርጭ ብዘይቲ እተቖምጥዔ፡ ዘይበኹዔ ቕጫታትን ዘይተ እተለኸየ፡ ዘይበኹዔ ረቀቕቲ ቕጫታት ይኹን። 5- መስዋቲ ኣብ መቑሎ ኻብ እተሰንከተ እንተ ኾይኑ፡ ካብ ድኹም ሓርጭ ብዘይቲ እተቖምጥዔ ይኹን። 6- ቑራሪስካ ኸኣ ዘይቲ ኸዐወሉ፡ ንሱ መስዋእቲ ብልዒ እዩ። 7- መስዋእትኻ ኣብ ቁራዕ እተገብረ መስዋእቲ ብልዒ እንተ ኾነ፡ ካብ ድኹም ሓርጭ ምስ ዘይቲ ይገብር። 8- እቲ ኻብቲ ነገርዚ እተገብረ መስዋኣቲ ብልዒ ናብ እግዚኣብሄር ኣምጽኣዮ፡ ናብቲ ኻህን ድማ ኣቕርቦ፡ ንሱ ኸኣ ናብ መሰውኢ የቕርቦ። 9- እቲ ካህን ድማ ካብቲ መስዋእቲ ብልዒ ንመዘከርታ ዚኸውን ኣልዒሉ፡ ኣብ መሰውኢ የሕርሮ። መስዋእቲ ሓዊ ንእግዚኣብሄር ጥዑም ጨና እዩ። 10- እቲ ኻብ መስዋእቲ ብልዒ ዝተረፍ ድማ ንኣሮንን ንደቅን ይኹን። እዚ ኣብቲ ንእግዚኣብሄር ብሓዊ ተገብረ መስዋቲ ቅዱስ ቅዱሳን እዩ።
11- እቲ ንእግዚኣብሄር እተቕርብዎ መስዋእቲ ብልዒ ገለ እኳ ብኹዕ ኣይገበር። ካብ ብኹዕ ኾነ ወይ ካብ መዓር ንእግዚኣብሄር ገለ እኳ መስዋእቲ ሓዊ ኣይተሕርሩ። 12- ከም መስዋእቲ ቐዳማይ ፍረ ናብ እግዚእብሄር ኣቕርብዎ፡ ግናኸ ከም ጥዑም ጨና ኣብ መሰውኢ ኣይገበር። 13- ንኹሉ ናይ ብልዒ መስዋእትኻ ጨው ኣቃምሞ፡ ኣብቲ ናይ ብልዒ መስዋእትኻ ጨው ኪዳን ኣምላኽካ ኣይተትርፈሉ፡ ኣብ ኩሉ መሰውእታትካ ጨው ኣቕርብ።
14- ካብ በኹሪ ፍርያት ንእግዚኣብሄር መስዋእቲ ብልዒ እንተ እቅረብክ፡ ካብ በኹሪ ፍርያትካ ልምሉም እተበቁጸ ኣብ ሓዊ እተጠብሰ ሰዊት ንመስዋእት ብልዒ ኣቕርብ። 15- ኣብ ልዕሊኡ ድማ ዘይቲ ኸዐወሉ ዕጣንውን ግበረሉ። እዚ መስዋእቲ ብልዒ እዩ። 16- እቲ ኻህን ከኣ ካብቲ ሕሱይ እኽልን ካብቲ ዘይትን ምስ ኩሉ ዕጣን ገይሩ ንመዘከርታ የሕርሮ። ንእግዚኣብሄር መስዋእቲ ሓዊ እዩ።