ምዕራፍ 1 2 3 4 5 6 7 8 9 10 11 12 13 14 15 16 17 18 19 20 21 22 23 24 25 26 27
1- እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፡ 2- ንደቂ እስራኤል ተዛረቦም በሎም ከኣ፡ ሰብ ምስ ዚመባጽዕ፡ እቶም ነፍሳት ንእግዚኣብሄር ከም ገምጋምካ ይተሓሰቡ። 3- እቲ ገምጋምካ ድማ፡ ንተባዕታይ ካብ ዕስራ ዓመት ክሳዕ ወዲ ስሳ ዓመት ገምጋምካ ብሲቃል መቕደስ ሓምሳ ሲቃል ብሩር ይኹን። 4- ጓል እንስተይቲ እንተ ኾነት ኸኣ፡ ገምጋክማ ሰላሳ ሲቃል ይኹን። 5- ካብ ወዲ ሓሙሽተ ዓመት ክሳዕ ወዲ ዕስራ ሲቃል፡ ንጓል ኣንስተይቲ ኸኣኣ ዓሰርተ ሲቃል ይኹን። 6- ካብ ወዲ ሓደ ወርሒ ክሳዕ ሓሙሽተ ዓመት እንተ ኾነ ድማ፡ ገምገምካ ንተባዕታይ ሓሙሽተ ሲቃል ብሩር፡ ገምጋም ንጓል ኣንስተይቲውን ስለስተ ሲቃል ብሩር ይኹን። 7- ካብ ወዲ ስሳ ዓመት ንላዕሊ ድማ፡ ንተባዕታይ እንተ ኾነ፡ ገምጋምካ ዓሰርተ ሓሙሽተ ሲቃል፡ ንጓል ኣንስተይቲ ኸኣ ዓሰርተ ሲቃል ይኹን። 8- ነቲ ገምጋምካ ዘይኽእል ድኻ ኣንተ ኾነ ድማ፡ ኣብ ቅድሚ ኻህን ደው የብልዎ፡ እቲ ኻህን ከኣ ይገምግሞ። እቲ ኻህን ነቲ እተመባጽዔ ኸምቲ ኣብ ኢዱ ዚረኽቦ ይገምግሞ።
9- እቲ ንእግዚኣብሄር ዜቕርብዎ መስዋእቲ ኻብ እንስሳ እንተ ኾነ ኸኣ፡ ካብኡ ንእግዚኣብሄር እተዋህበ ኹሉ ቅዱስ ይኹን። 10- ጽቡቕ ኣብ ክንዲ ኽፉእ ወይ ክፉእ ኣብ ክንዲ ጽቡቕ ኣይሕለፍ፡ ኣይለወጥ ድማ። እንስሳ ንእንስሳ እንተ ለወጠ ግና፡ ንሱን እቲ መላወጡን ቅዱሳት ይኹኑ። 11- ንሳቶም ንእግዚኣብሄር ንመስዋእቲ ዘይቕረቡ ርኹሳት ዘበሉ እንስሳ እንተ ኾኑ ኸኣ፡ ነቲ እንስሳ ኣብ ቅድሚ ኻህን ደው የብሎ፡ 12- ጽቡቕ እንተ ኾይኑ ወይ ክፉእ እቲ ኻህን ብመጠኑ ይገምግሞ። ኣታ ኻህን፡ ከም ገምጋምካ ኸምኡ ይኹን። 13- ኪብጀዎ እንተ ደለየ ኸኣ፡ ሓምሳይ ኢድ እቲ ገምጋምካ ይወስኸሉ።
14- ሰብ ቤቱ ንእግዚኣብሄር ቅድስቲ ኽትከውን እንተ ቐደሳ ድማ፡ ብመጠን ምጽባቓ ወይ ምሕማቓ እቲ ኻህን ይገምግማ። ከምቲ ኻህን ዝገምገማ ኸምኡ ይቑም። 15- እቲ ንቤቱ ዝቐደሳ ኺብጀዋ እንተ ድለአየ፡ ነቲ ዝገምገምካዮ ብሩርስ ሓምሳይ ኢድ ይወስኸሉ እሞ ናቱ ትኹን።
16- ሰብ ካብ ግራት ርስቱ ገለ ንእግዚኣብሄር እንተ ቐደሰ፡ እቲ ገምጋምካ ኸም መጠን ዘርአ ይኹን፡ ሆሜር ስገም ዜዝርእ ሓምሳ ሲቃል ብሩር ይተሓሰብ። 17- ነታ ግራቱ ኻብ ዓመት እልልታ ጀሚሩ እንተ ቐደሳ፡ ከምቲ ገምጋምካ ይቑም። 18- ንግራቱ ድሕሪ ዓመት እልልታ እንተ ቐደሳ ኸኣ፡ እቲ ኻህን ብፍቕዲ እተን ክሳዕ ዓመት እልልታ ተረፈን ዘለዋ ዓመታት ዋጋኣ ይሕሰበሉ፡ ካብቲ ገምጋምካ ኸኣ ይጉደል። 19- እቲ ግራቱ ዝቐደሰ ኺብጀዋ እንተ ደለየ ድማ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ዝገምገምካዮ ዋጋኣ ሓምሳይ ኢድ ይወሰኽ፡ ኣብኡ ኸኣ ትቑም። 20- ነቲ ግራት ኪብጀዋ እንተ ዘይደለየ፡ ወይ ነታ ግራት ናብ ካልእ ሰብ ኣንተ ሸጣ፡ ድሕሪ እቲ ኺብጀዋ ኣይከኣሎን እዩ። 21- ብዓመት እልልታ ምስ ወጸት ግና፡ ከም እተሓርመት ግራት ንእግዚኣብሄር ትቀደስ እሞ ርስቲ ኻህን ትኹን።
22- ካብ ግራት ርስቱ ዘይኮነት እተሻየጣ ግራት ንእግዚኣብሄር እንተ ቐደሰ ድማ፡ 23- ሽዑ እቲ ኻህን ዋጋ ገምጋምካ ኽሳዕ ዓመት እልልታ ይሕሰበሉ፡ በታ መዓልቲ እቲኣ ኸአ እቲ ዋጋ ገምጋምካ ንእግዚኣብሄር ከም እተቐደሰ ገይሩ ይሀብ። 24- ብዓመት እልልታ ግና ኣታ ግራት ናብቲ ሸያጢኣ፡ ናብቲ እታ ምድሪ ርስቱ ዝነበረት ትመለስ። 25- ኩሉ ገምጋምካ ብሲቃል መቕደስ ይኹን፡ እታ ሲቃል ድማ ዕስራ ጌራ ትኹን።
26- በኩሪ እንስሳ ግና፡ በኹሪ ምዃኑ ናይ እግዚኣብሄር ዝኾነ፡ ብዕራይ ኮነ በጊዕ ኮነ፡ ሰብ ኪቕድሶ ኣይክእልን። ናይ ኣግዚኣብሄር እዩ። 27- ካብ ርኹስ እንስሳ እንተ ኾነ ግና፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ገምጋምካ ሓምሳይ ኢድ ወሲኹ ይበጅዎ። እንተ ዘይተበጀወ፡ በቲ ገምጋምካ ይሸየጥ።
28- ሰብ ንእግዚኣብሄር ዝሓረሞ ኹሉ ሕሩም ነገር ካብ ዝኾነ ገንዘቡ፡ ሰብ ኮነ እንስሳ ኾነ ወይ ግራት ርስቱ ዝኾነት፡ ኣይሸየጥ ኣይበጀዎ ድማ። እተሓርመ ዘበለ፡ ንሱ ንእግዚኣብሄር ቅዱስ ቅዱሳን እዩ። 29- እተሓርመ ዘበለ ሕሩም ሰብ ሞት ይሙት እምበር፡ ኣይበጀዎ።
30- ኩሉ ዕሽር ምድሪ ድማ፡ ካብ ዘርኢ ምድሪ ኾነ፡ ካብ ፍረ ኦም ኮነ፡ ንሱ ናይ እግዚኣብሄር እዩ፡ ንእግዚኣብሄር እተቐደስ እዩ። 31- ሰብ ካብቲ ዕሽሩ ኺብጆ እንተ ሰለየ፡ ኣብ ልዕሊኡ ሕምሻኡ ይወስኸሉ። 32- ዕሽር ኩሉ ኣሓን ጤለ በጊዕን፡ ዕሽር እቲ ብትሕቲ በትሪ ዚሓልፍ ኩሉ፡ ንእግዚኣብሄር እተቐደሰ ይኹን። 33- ጽቡቕ ምዃኑ ወይ ክፉእ ኣይመርምር ኣይለወጥ ድማ፡ እንተ ለወጠ ግና፡ ንሱን እቲ መላወጡን ቅዱሳት ይኹኑ፡ ኣይበጀዎ ኸኣ።