ምዕራፍ 1 2 3 4 5 6 7 8 9 10 11 12 13 14 15 16 17 18 19 20 21 22 23 24 25 26 27
1- ኮነ ድማ፡ ሙሴ ኣብ ሳምነይቲ መዓልቲ ንኣሮንን ንደቁን ንዓበይቲ እስራኤልን ጸውዖም። 2- ንኣሮን ከኣኣ በሎ፡ ጎደሎ ዜብሎም ተባዕታይ ጣዕዋ ንመስዋእቲ ሓጢኣት፡ ሓደ ድዑል ከኣ ንዚሓርር መስዋእቲ ወሲድካ ናብ ደቂ እግዚኣብሄር ኣቕርብዎ። 3- ንደቂ እስራኣኤል ከኣ ከምዚ ኢልካ ተዛረቦም፡ ንመስዋእቲ ሓጢአት ሓደቤላ፡ ንዚሓርር መስዋእቲ ድማ ሓዳ ታዕዋን ሓደ ገንሸልን፡ ዓመት ዝገበሩ ጎደሎ ዜብሎም ውሰዱ። 4- ሎሚ እግዚኣብሄር ከረአየኩም እዩ ኣሞ፡ ንመስዋእቲ ምስጋና ሓደ ዝራብዕ ሓደ ድዑልን ዘይቲ እተኻዕዎ መስዋእቲ ብልዕን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ሰውኡ። 5- እቲ ሙሴ ዝኣዘዞ ኸኣ ናብ ቅድሚ ድንኳን ምርኻብ ኣምጽኦ። ኩሉ እቲ ኣኤባ ድማ ቀሪቡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክትገብርው ዝኣዘዞ ነገር እዚ እዩ፡ ክብሪ እግዚኣብሄር ከኣ ኪረኣየኩም እዩ በለ።
7- ሙሴ ድማ ንኣሮን፡ ናብ መሰውኢ ቐሪብካ ናይ ሓጢኣት መስዋእትኻን ዚሐርር መስዋእትኻን ሰውእ፡ ንርእስኻን ንህዝብን ከአ ኣተዐርቕ። ከምቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞ ድማ፡ መስዋእቲ ህዝቢ ሰውእ፡ እተዐረቖምውን፡ በሎ። 8- ሽዑ ኣሮን ናብ መሰውኢ ቐረበ እሞ ነቲ ምእንታኡ መስዋእቲ ሓጢኣት ዝነበረ ጣዕዋ ሓረዶ። 9- ደቂ ኣሮን ድማ እቲ ደም ኣቕረቡሉ፡ ንሱ ኸኣ ኣጻብዑ ኣብ ደም ጠሚዑ ኣቕርንቲ መሰውኢ ለኸየ፡ ነቲ ደም ከኣ ኣብ እግሪ መሰውኢ ኸዐዎ። 10- ናይቲ መስዋእቲ ሓጢኣት ስብሕን ኮላሊትን ቋንጢጥ ከብድን ግና፡ ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ፡ ኣብ መሰውኢ ኣሕረሮ። 11- ስጋኡን ቆርበቱን ከኣኣ ኣብ ወጻኣኢ ሰፈር ብሓዊ ኣንደዶ። 12- ነቲ ዚሓርር መስዋእቲ ድማ ሓረደ። ደቂ ኣሮን ከኣ እቲ ደም ኣምጽኡሉ፡ ንሱ ድማ ኣብ ልዕሊ መሰውኢ ኣብ ዙርያኡ ነጸጎ። 13- ነቲ ዚሓርር መስዋኣቲ በብቑራጹ፡ ነቲ ርእሱ ድማ ኣምጽኡሉ፡ ንሱ ኸኣኣ ኣብ ልዕሊ መሰውኢ ኣሕረሮ። 14- ንናውቲ ኸብድን ነእጋርን ሓጺቡ ድማ፡ ኣብ ልዕሊ ቲ ዚሓርር መስዋኣቲ ኣብ መሰውኢ ኣሕረሮ።
15- መስዋእቲ እቲ ህዝቢ ኣቕረባ እሞ ነቲ ድቤላ ምእንቲ ህዝቢ መስዋእቲ ሓጢኣትን ዝነበረ ወሲዱ ሐረዶ፡ ከምቲ ቐዳማይ ከኣ ንመስዋእቲ ሓጢኣት ሰውኦ። 16- ነቲ ዚሓርር መስዋእቲ ድማ ከምቲ ሕጉግ ስርዓት ገይሩ ኣቕረቦ። 17- ብጀካ እቲ ዚሓርር መስዋእቲ ብጊሓት ድማ፡ መስዋእቲ ብልዒ ኣቕረበ፡ ካብኡ ኢድ ምሉእ ወሲዱ ኸኣ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ መሰውኢ ኣሕረሮ። 18- ነቲ ዝራብዕን ድዑልን ድማ ምእንቲ ህዝቢ መስዋእቲ ምስጋና ዝነበረ ሓረዶ። ደቂ ኣሮን ከኣ ነቲ ደም ኣምጽኡሉ፡ ንሱ ድማ ኣብ ልዕሊ መሰውኢ ኣብ ዙርያኡ ነጸጎ። 19- ስብሕታት እቲ ዝራብዕን ናይቲ ድዑል ኮልኮሉን ንናውቲ ኸብዲ ዜጎልብብ ቋንጡጥን ኮለሊትን ስብሒ ኸብድን 20- ነቲ ስብሕታታብ ልዕሊ ሓኼሊታት ገበርዎ፡ ንሱ ኸኣ ነቲ ስብሒታት ኣብ መሰውኢ ኣሕረሮ። 21- ኣሮን ከኣ ነተን ሓኼሌታትን የማነይቲ እግርን፡ ከምቲ ሙሴ ዝኣዘዞ፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ንዚውዝውዝ መስዋእቲ ወዝወዘን።